1. ድሕርዚ እዮብ ኣፉ ኸፊቱ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ

2. እዮብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ

3. እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልትን እታ ወዲ ተጠኒሱ እተባህለትላ ለይትን ትደምስስ

4. እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡ ኣምላኽውን ካብ ላዕሊ ኣይቋመታብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ

5. ጸልማት ድነ ሞትን ናትና እያ ኢሎም ይሐዝዋደበና የጐልብባ፡ እቲ ንመዓልቲ ዜጸልምት ከኣ የሸብራ

6. ነታ ለይቲ እቲኣ ጸልማት ይመንጥላ፡ ምስተን ናይ ዓመት መዓልትታት ኣይትተሐጐስ፡ ኣብ ቊጽሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ

7. እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፡ እልልታውን ኣይእተዋ

8. እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ ንሌዋታን ድማ ኬንቀሳቕሱ ዚኽእሉ ይርገምዋ

9-10. ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዐጸወቶ፡ ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡ ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡ እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡ ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርኤ

11. ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩካብኡ ወጺኤስ ብኡብኡ ዘይጠፋእኩ

12. ስለምንታይከ ኣብራኽኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ

13-15. ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ።

16. ወይስ ከም እተቐብረ ቚላዕ፡ ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ሕጻን ኣይምዀንኩን ነይረ።

17. ኣብኡስ እቶም ረሲኣን እኳ ቚጥዓ ሓዲጎም፡ እቶም ዝላሕልሑውን ኣብኡ ዐሪፎም ኣለው።

18. እቶም እሱራትውን ብሓባር ሀዲኦምድምጺ እቶም ሳቐይቶም ኣይሰምዑን ኣለው።

19. ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፡ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ።

20. ነቲ ምግዱርክ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ፧ ኤረ ነቶም መሪር ስቓይ ዚሳቐዩስ ንምንታይ ህይወት ሀቦም፧

21. እቶም ንሞት ከም ሕብእ መዝገብ እናዀዐቱ ዚደልይዎ እሞ ዝይረኽብዎ፡

22. እቶም ንመቓብር ምስ ረኸቡእልል እናበሉ ኣዝዮም ዚሕጐሱ

23. ነቲ መገዱ ሕቡእ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ብሓጹር ዝኸበቦ ሰብሲ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሀቦ

24. እህህታይ ቅድሚ እንጌራይ ይመጽእምንኣኸይ ከም ማይ ይፈስስ አሎ።

25. እቲ ዝፈራህክዎ ነገር መጺኡኒ፡ እቲ ዝስቀቖ ዝነበርኩ ኸኣ ወሪዱኒ

26. ዕረፍቲ ስኢነህድኣትን ዝግታን የብለይንዓቕለይ ጸቢቡኒ እኔኹ