1. ንሰብሲ ኣብ ምድሪ ሰልፊዶ ኣይኰነን፧ መዓልትታቱዶ ኸም መዓልትታት ብዓል ውዐልት ኣይኰናን፧

2. ከምቲ ጽላል ዚናፍቕ ባርያ፡ ከምቲ ውዕለቱ ዚጽበ ብዓል ውዕለት

3. ኣነ ኸኣ ከምኡ ኣዋርሕ ከንቱነት ተዐዲለለይትታት ጻዕሪ ተቘጺረናለይ

4. ምስ ተገምሰስኩ፡ መኣዝ ኰን ክትንስእ እየ፧ እብልለይቲ ነዊሕ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ምግልባጠይ እጸግብ አሎኹ።

5. ስጋይ ብሓሰኻን ብቕላጥ መሬትን ተሸፊኑቈርበተይውን እናተዀምተረ ይቕደድ

6. መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ይቕልጥፋብዘይ ተስፋ ይበና ኣለዋ።

7. ህይወተይ ሃፋ ምዃና ዘክርኣዒንተይውን መሊሰን ጽቡቕ ነገር ኣይኪርእያን እየን።

8. እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፡ ኣዒንትኻ ኺደልያኒ እየን፡ ኣነ ግና የሎኹን።

9. ደበና ሐሊፉ ኸም ዚብተን፡ ከምኡውን እቲ ናብ ሲኦል ዚወርድ መሊሱ ኣይወጽእን

10. ናብ ቤቱ ከቶ ኣይምለስንቦታኡ ደጊም ኣየለልዮን

11. ስለዚ ኣነ ንኣፈይ ኣይክለጒሞንብጸበባ መንፈሰይ ክዛረብብምረት ነፍሰይ ክቚዝም እየ።

12. ሓላዊ ዝገበርካለይከኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓሳ ኣንባሪ እየ፧

13. መንጸፈይ ኬጸናንዓኒምድቃሰይ ሓዘነይ ኬቕልለለይ እዩ፡ እንተ በልኩ

14. ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሃኒብራእይውን ተባህርረኒ

15. ነፍሰይሲ ኽትሕነቕ፡ ካብ እዘን ኣዕጽምተይ ከኣ ሞት ትሐሪ

16. ኣነስ መንየዮ እየ፡ ብህይወት ክነብር ኣይደልንመዓልትታተይ ምናምን እየን እሞ፡ ሕደገኒ

17-18. ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶበብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ፧

19. ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ምጥማትካ ኻባይ ዘይተግልሶምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥከ ዘይትሐድገኒ

20. ኣንታ ተቛማታይ ደቂ ሰብበዲለ እንተ ዀንኩስ፡ ንኣኻ እሞ እንታይ ገይረካ፧ ስለምንታይ ኢኻ ንነፍሰይ፡ ከቢድ ጾር ዝዀና ዕላማኻ ዝገበርካኒ

21. ስለምንታይከ ኢኻ ኣበሳይ ይቕረ ዘይትብለለይበደለይ ከኣ ዘይትሐድገለይ፧ ኣነስ ሕጂ ኣብ መሬት ክግምሰስ እየ እሞ፡ እንተ ደሌኻኒ ኣይክህሉን እየ።