1. መንፈሰይ ቀሀመመዓልትታተይ ይጠፍኣመቓብር ይጽበየኒ አሎ።

2. መላገጽቲ ኸቢቦምኒ፡ ኣዒንተይ ድማ ብምምራሮም ይሐድራ ኣለዋ።

3. ሕጂ ኸኣ ዕርቡን ሀበኒ፡ ኣባኻ ተወሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ

4. ከየስተውዕሉስ ንልቦም ዐጺኻዮ ኢኻ እሞ፡ ልዕል ኣይከተብሎምን ኢኻ

5. እቲ ንፈተውቱ ንበዝበዝቲ ኣሕሊፉ ዚህቦምኣዒንቲ ደቁ ኼሕለልዋ እየን።

6. ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ ገበረኒ፡ ኣብ ቅድሚኦም ጡፍ መበሊ ዀንኩ።

7. ኣዒንተይ ብሓዘን ሰልመታ፡ ኲለን ኣካላተይ ከም ጽላሎት ኰና።

8. እቶም ቅኑዓት በዚ ኺግረሙ እዮም፡ እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ረሲእ ኪህወኽ እዩ።

9. እቲ ጻድቕ ግና ኣብ መገዱ ይጸንዕ፡ እቲ ኣእዳው ዝንጹሃት ከኣ እናበርትዔ ይኸይድ

10. ኤረ ዂላትኩም ተመለሱንዑ፡ ግናኸ ሓደ ጠቢብ እኳ ኣይረኽበልኩምን እየ።

11. ዘመነይ ሐሊፉ፡ እቲ ልበይ ዚምነዮ ዝነበረ ምምዳበይ ፈሪሱ

12. ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎጸልማት ከሎስ፡ ብርሃን ቀሪቡ አሎ፡ ይብሉ

13. እቲ ዝጽበዮ ቤተይ ሲኦል እንተ ዀነ፡ መንጸፈይ ኣብቲ ጸልማት እንተ ኣንጸፍኩ

14. ንመቓብርኣቦይ ኢኻ፡ ንሓሳኹውንእኖይን ሓብተይን፡ እንተ በልክዎም

15. ተስፋይ ደኣ ኣበይ አላ፧ ኤረ ንተስፋይ መን ኪርእያ እዩ፧

16. ኣብ ሓመድ ሐቢርና ምስ እንዐርፍ፡ ናብ መርሖታት ሲኦል ክትወርድ እያ።