1. እዮብ፡ ሕጂ ግና ንዘረባይ ስማዕ፡ ንዂሉ ቓለይ ከኣ ጽን በሎ

2. እንሆ፡ ኣፈይ እኸፍት አሎኹ፡ መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ አላ።

3. ዘረባይሲ ቕንዕና ልበይ እዩ፡ ከናፍረይ ከኣ ነቲ ዚፈልጣኦ ብቕንዕና ኺነግራ እየን።

4. መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒእስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእል እዩ ህይወት ዝሀበኒ

5. እንተ ኽኢልካስ ምለሰለይ፡ ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም

6. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከማኻ እየ፡ ኣነ ድማ ካብ መሬት እተገበርኩ እየ።

7. እንሆ፡ ንኣይ ፈሪህካ ኣይክትሽበርንኢደይውን ኣይክትከብደካን እያ።

8. ብሓቂ ኣብ ኣእዛነይ ተዛረብካድምጺ ቓላትካ ሰሚዔ

9. ኣነ ብዘይ በደል ጽሩይ እየ፡ ንጹህ እየ፡ ሓጢኣት ከኣ የብለይን።

10. እንሆ፡ ንሱ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፡ ከም ጸላኢ ይርእየኒ አሎ፡

11. ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ኣሲሩወን፡ ንዂለን መገደይ ይቋመተን አሎ።

12. እንሆ፡ ኣምላኽ ካብ ሰብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ በዝስ ተጋጊኻ ኢለ እመልሰልካ አሎኹ።

13. ብነገሩ ምላሽ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ምስኡ እትካራኸር

14. ኣምላኽ ሓንሳእክልተ ሳዕ ይዘረብሰብ ግና ኣየቕልብን እዩ።

15. ብሕልሚ፡ ብናይ ለይቲ ራእይንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፡ ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ

16-18. ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኺመልሶ፡ ካብ ትዕቢትውን ኪስውሮንነፍሱ ኻብ ዓሚቚ ምእንቲ ኺባልሃንህይወቱውን ካብ ሴፍ ኬናግፋስ፡ ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱንተግሳጹ ይሐትሞ

19. ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቓያት፡ ኣብ ዓጽሙ ዂሉ ጊዜ ብቓንዛ ይቕጻዕ

20. ሽዑ ህይወቱ ንእንጌራነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።

21. ዘይርኤ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይማስን። እቲ ቕድም ዘይተራእየ ኣዕጽምቱ ይቕላዕ

22. ከምኡ ነፍሱ ናብ መቓብርህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ

23. ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዚምህሮ፡ ካብ ኣሽሓትስ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ ዚሕልዎ መልኣኽ እንተ ተረኽበ ግና፡

24. ሽዑ ንሱ፡ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖኢሉ ይርሕርሓሉ

25. ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጒብዝናኡ ይምለስ

26. ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡ ንሱ ጸጋ ኺህቦ እዩ፡ ንገጹውን ብሓጐስ የርእዮ፡ ነቲ ሰብቲ ጽድቁ ይመልሰሉ

27-28. ሽዑ ንሱ፡ ኣነ በደልኩ ፍትሒውን ደፈንኩ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸኣ ኣይተቐጻዕኩን ንነፍሰይ፡ ናብ መቓብር ከይትወርድ ተበጅይዋህይወተይ ብርሃን ትርኢ አላ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።

29-30. እንሆ፡ ንነፍሱ ኻብ መቓብር ኪመልሳብብርሃን ህያዋን ምእንቲ ኽትበርህስኣምላኽ ነዚ ዂሉ ኽልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ንሰብ ይገብሮ

31. ኣታ እዮብኣስተብሂልካሞ ስዓምኒክዛረብሲ ስቕ በል

32. እትብሎ እንተ ኣልዩካ ምለሰለይከጽድቐካ እደሊ አሎኹ እሞ፡ ተዛረብ

33. እንተ ዘይኮነስ፡ ጽን በለኒጥበብ ክምህረካስስቕ በል