1. ኤሊሁ ወሲኹ ተዛረበ

2. ስለ ኣምላኽ ገና ዚዝረብ አሎኒ እሞ፡ ኣነ ኸምህረካ ቕሩብ ጽናሕ

3. ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምጽኦ እየ፡ ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ።

4. ብሓቂዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፡ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ ምሳኻ አሎ።

5. እንሆ፡ ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡ ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕንብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ።

6. ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋንንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም

7. ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንንንሓዋሩ ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም፡ እሞ ልዕል ይብሉ።

8. ብሰንሰለት እንተ ተአሰሩበግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ

9. ንሱ ንተግባሮም፡ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም

10. እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ፡ ካብ ሓጢኣት ኪምለሱ ይእዝዞም

11. እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎመዓልትታቶም ብሰናይዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ

12. እንተ ዘይሰምዑ ግና፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡብዘይ ፍልጠትውን ኪሞቱ እዮም።

13. እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝዀኑ ግና ኲራ የብዝሑ፡ እንተ ኣሰሮም ከኣ ኣየእውዩን

14. ነፍሶም ብሰዊታ ትቕዘፍህይወቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርኹሳት ትጠፍእ።

15. ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖብጭንቀትውን ንእዝኖም ይኸፍቶ

16. ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ ጸበባ ናብቲ ጭንቂ ዜብሉ ገፊሕ ቦታ ኼውጽኣካስቡሕ መኣዲውን ኪቕርበልካ እዩ።

17. ንስኻ ግና ፍርዲ ረሲእነት መሊእካ አሎኻ፡ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።

18. ኲራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕካሕሳ እንተ በዝሔ እኳ፡ ኣየጋጊኻ

19. ሃብትኻን ኲሉ ምብርታዕ ሓይልኻን ካብ ጸበባ ኼውጽኣካዶ ይኣክል እዩ፧

20. ነታ ነህዛብ ካብ ቦታኦም እትጸርጎም ለይቲ ኣይትናፍቃ

21. ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ።

22. እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፡ ከምኡ ገይሩ ዚምሀርከ መን እዩ፧

23. መገዱ ዝሐበሮ መን እዩ፧ መንከ፡ ሓጢኣት ጌርካኪብሎ ይኽእል

24. ነቲ ሰባት ዚውድስዎ ተግባሩ ከተዕብዮ ደኣ ዘክር

25. ኲሎም ይጥምትዎነፍሲ ወከፍ ኣማዕድዩ ይርእዮ

26. እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን

27. ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡ ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም

28. ደበናታት የንጠብጥቦ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ

29. ኤረ ንምዝርጋሕ ደበናታት፡ ነቲ ኻብ ድንኳኑ ዚወጽእ ደሃይውን መን እዩ ዜስተውዕሎ

30. እንሆ፡ ንብርሃኑ ኣብ ዙርያኡ ይዝርግሖንመዓሙቚ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ

31. በዚ ኸምዚ ነህዛብ ይፈርዶምምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህብ

32. ነእዳው ብመብረቕ ይስውረን፡ ናብቶም ተጻረርቲ ይውርውሮ።

33. ነጐዳጓዱ ስሌኡ ይነግርእንሰሳታት ከኣ ምቕራቡ ይፈልጡ