1. ድሕርዚ ኸኣ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ

2. ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝዀነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ፧ ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ፧

3. ብፍረ ዜብሉብዘይጠቅም ዘረባዶ፡ ንነገሩ ይከላኸለሉ እዩ፧

4. ንስኻ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከንቱ ትገብሮንጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቃልሎ አሎኻ፡

5. ኣበሳኻ ንኣፍካ ይምህሮንዘረባ ጐረሓት ትሐሪ አሎኻ።

6. ኣፍካ እያ እትዂንነካ፡ ኣይኣነን፡ ገዛእ ከናፍርካውን እየን ንጒድኣትካ ዚምስክራ

7. እቲ ቐዳማይ ሰብ እተወልደዶ ንስኻ ኢኻ፧ ቅድሚ ዂርባታትከ ተጠኒስካ ዲኻ፧

8. ነቲ ስውር ምኽሪ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኔርካ፧ ጥበብከ ንርእስኻዶ ሒዝካያ አሎኻ

9. ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ፧ ንሕና ዘይተረዳእናዮስ እንታይ ተስተብህል

10. ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዚዐብዩ ሸያባትን ሽማግሌታትን ኣብ ማእከልና ኣለው።

11. ነቲ ምጽንናዕ ኣምላኽን ነቲ ብለውሃት ንኣኻ እተዘርበ ቓላትንዶ ተናእሶ አሎኻ፧

12. ልብኻ ናበይ ኣቢሉ ይስሕበካ አሎ፧ ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፋእ ኣጠማምታ ይጥምታ

13. ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናቐዳሕካ፡ ስለምንታይ መንፈስካ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ተልዕሎ

14. ሰብከ እንታይ እዩ ንጹህ ዚኸውን፡ ውሉድ ሰበይትስ ጻድቕ ዚኸውን መን እዩ፧

15. እንሆ፡ ነቶም ቅዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምንሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን።

16. እቲ ንኣበሳ ኸም ማይ ዚሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍንፋንን ብልሽውን እዩ።

17-19. እስኪ ኽነግረካስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶምጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሐብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ።

20. ረሲእ ምሉእ ዕድሜኡጨካንውን ብዂሉ ቚጽሪ ዘመኑ ይጭነቕ

21. ዜፍርህ ደሃይ ኣብ ኣእዛኑ ዀይኑ የድሂ፡ ደሓን አሎኹ ኺብል ከሎ መጥፍኢ ይመጾ

22. ሰይፊ ይጸናተዎ አሎ እሞ፡ ካብ ጸልማት ኬምልጥ ተስፋ የብሉን።

23. ኣበይከ እሞ ይርከብ፧ ኢሉ ሃለው እናበለ እንጌራ ይደሊ፡ መዓልቲ ጸልማት ኣብ ጥቓ ኢዱ ኸም ዘሎ ይፈልጥ

24. ጸበባን ጭንቀትን የሸብርዎ፡ ከም ስሉፍ ንጉስ ኰይኖም ይወድቅዎ

25. ኪጻረሮ ኢሉ ኣእዳው ናብ ኣምላኽ ይዝርግሕ፡ ነቲ ዂሉ ዚኽእልውን ይተሃላለኾ

26. ብተሪር ክሳዱብረጒድ ዋልታኡ ይገጥመሉ

27. ገጹ ኣስብሔሕቜኡ ኣህጠረ

28. ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፡ ኣብ ሰብ ዘይነብረለንንምዕናው እተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩ እሞ፡

29. ንሱ ኣይጽጉንሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፡ ገንዘቡውን ሱሩ ናብ ምድሪ ኣይሰዶን እዩ።

30. ካብ ጸልማት ኣየምልጥንጨናፍሩ ብሃልሃልታ ይሐርርብስትንፋስ ኣፉ ይሐልፍ

31. ዓስቡ ኸንቱነት እዩ ዚኸውን እሞ፡ ስሒቱ ብኸንቱነት ኣይተኣመን

32. መዓልቱ ኸይበጽሔ ጊዜኡ ይፍጸምጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን

33. ከም ተኽሊ ወይኑ ፍሬኡ ብጒዕ የውድቕ፡ ከም ኦም ዘይቲ ዕንባባኡ ይረግፍ

34. እታ ማሕበር ረሲኣን መኻን እያ እሞ፡ ድንኳናት እቶም መማለጃ ዚቕበሉ ሓዊ ይበልዔን

35. ጻዕሪ ጠኒሶምጥፍኣት ይወልዱከርሶምውን ተንኰል እዩ ዜዳሉ