1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ

2. ከምዚ ዝበለ ዘረባስ እምብዛ ሰሚዔ አሎኹ፡ ንስኻትኩም ኲልኹም ዘይትጠቕሙ መጸናናዕቲ ኢኹም።

3. እዚ ንፋስ ዝዀነ ዘረባኻስ ተወዲኡዶ፧ ወይስ ክትመልስ እንታይ እዩ ዜላዕለካ ዘሎ

4. ኣነውን ከማኻትኩም ገይረ ኽዛረብ ምኸኣልኩንስኻትኩም ከምዚ ኸማይ እንተ ትዀኑስርእሰይ እናነቕነቕኩ ቓላት ክሰዂዓልኩም ምኸኣልኩ ነይረ።

5. ብኣፈይ መበርታዕኩኹም፡ ምጽንናዕ ከናፍረይውን መህድኣኩም ነይሩ።

6. እንተ ተዛረብኩቓንዛይ ዝግ ኣይብልንስቕ እንተ በልኩውንኣይሐድገንን እዩ።

7. ሕጅስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፡ ንብዘላ ማሕበረይ ኣዕኖኻያ

8. ምጭምዳደይ ዚጐድኣኒ ምስክር እዩ፡ ዕብራነይ ተንሲኡ ይኸሰኒ

9. ብቚጥዓኡ ይዘጋግለንን ይሰጐንንኣስናኑ ይሕርቅመለይጸላእየይ ዓይኑ ኣፍጢጡ ይርእየኒ አሎ።

10. ኣፎም ናባይ ሃህ የብሉ ኣለው፡ እናጸረፉውን ጒንዲ እዝነይ ይጸፍዕኑ፡ ኲሎም ከኣ ይተሓባበሩለይ ኣለው።

11. ኣምላኽ ኣደዳ ዓመጽቲ ገበረኒ፡ ኣብ ኣእዳው ረሲኣን ደርበየኒ

12. ኣነ ሀዲኤ ነይረ፡ ንሱ ድማ ቀጥቀጠኒብኽሳደይ ሒዙ ሰባበረኒዕላማኡ ገይሩ ኣቘመኒ

13. ሰብ መንትጉ ይኸቡኒንዀላሊተይ ብዘይ ምሕረት ይበሳስዖንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ይፍስሶ አሎ።

14. ከም ጅግና ዀይኑ ወዲቑኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቚስሊ፡ ቚስሊ ወሲኹኒ

15. ወጮ ኣብ ቈርበተይ ሰፌኹ ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደቤኹ

16-17. ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሐዛጸሎተይውን ንጹህ ክነሱስ፡ ገጸይ ብብኽያት ተገየረ፡ ኣብ ኰበሮ ዓይነውን ድነ ሞት ይሰፍር አሎ።

18. ኣቲ ምድሪንደመይ ኣይትኸውልዮንገዓረይውን ስፍራ ኣይትሀብዮ

19. ሕጂውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ እንሆ፡ ዋሕሰይውን ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ።

20-21. ፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡ ንሰብ ምስ ኣምላኽንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ።

22. ገና ሒዶት ዓመታት ኪሐልፋ እየን እሞ፡ በታ ዘይምለሰላ መገዲ ክኸይድ እየ።