1. ድሕሪዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ

2. ነዚ ብዝሒ ዘረባዶ ምላሽ ኣይኪወሀቦን እዩ፧ ወይስ ለፍላፊ ሰብዶ ኺጸድቕ እዩ፧

3. እዚ ምሕባንካዶ ንሰብ ስቕ ኬብሎ እዩ፧ ኣላጊጽካስ ዜሕፍረካ ሰብዶ የልቦን፧

4. ንስኻውን፡ ትምህርተይ ቅኑዕ እዩ፡ ኣብ ዓይንኻውን ንጹህ እየ፡ ትብል አሎኻ።

5. ኣየኣምላኽያ እንተ ዚዛረብከናፍሩ ኸፊቱ እንተ ዚመልሰልካ፡

6. ናይ ጥበብ ምስጢራት ካብቲ ዘሎ ዕጽፊ ምዃኑ እንተ ዚገልጸልካ፡ ንገሊኡ ኣበሳኻ ኸም ዚርስዖመስተብሀልካ ኔርካ።

7. ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ፧

8. ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ካብ ሲኦል ይዐምቚ፡ እንታይ ክትፈልጥ ኢኻ፧

9. ስፍሩ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፡ ካብ ባሕሪውን ይሰፍሕ እዩ።

10-11. ንሱስ ንኸንቱነት ሰብ ይፈልጦንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ እዩ እሞ፡ ንሱ እንተ ሐለፈ፡ እንተ ዐጸወ፡ ኣብ ፍርዲ እንተ ኣከበ፡ መን እዩ ዚኽልክሎ

12. ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል የብሉን፡ እወ፡ ሰብ ከም ዒሉ ኣድጊ በረኻ እተወልደ እዩ።

13. ልብኻ እንተ ኣዳሎኻኣእዳውካውን ናብኡ እንተ ዘርጋሕካ

14. ኣብ ኢድካ ዓመጻ እንተሎ፡ ኣርሕቆ፡ ኣብ ድንኳንካውን ግፍዒ ኣይተስፍር

15. ሽዑ ንገጽካ ብዘይ ሕፍቲ ኸተልዕሎጽኑዕ ክትከውን ኣይክትፈርህን ድማ ኢኻ።

16. ሽዑስ ንመከራኻ ኽትርስዖከም ዝሐለፈ ውሒዝ ክትዝክሮ ኢኻ።

17. ህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊጻ ትበርህ፡ ጸልማት እኳ ኸም ወገግታ ብጊሓት ኪኸውን እዩ።

18. ተስፋ አሎ እሞክትሀድእ፡ ናብ ዙያኻ ኣማዕዲኻ ብህድኣት ክትግምሰስ ኢኻ።

19. ዜፍርህ ዜብልካ በጥ ክትብልብዙሓትውን ሞገስካ ኺደልዩ እዮም።

20. ኣዒንቲ ረሲኣን ግና ይስልምታመህደሚ የብሎምን፡ ተስፋኦም ከኣ ብምሕላፍ እስትንፋሶም እዩ።