1. ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ

2. ወዮትካዘይ እንተ ዚምዘንመከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዚኣቱ

3. ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡ ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን አሎኹ።

4. ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ወጊኡኒ አሎ እሞ፡ መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ አሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ አሎ።

5. ኣድጊ በረኻዶሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሀልል እዩ፧ ብዕራይከሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ፧

6. ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖማይ እንቋቚሖስ እንታይ ጣዕሚ አለዎ፧

7. ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡ እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዚብል ብልዒ ዀነኒ።

8. ኣየ፡ ጸሎተይ እንተ ዚስማዕኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዚምልኣለይ

9. ኣምላኽ ኪደቚሰኒኢዱ ዘርጊሑ ንህይወተይ ኪቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዚኸውንሲ

10. ሽዑ ምተጸናናዕኩንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሐድክዎን እሞ፡ በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ

11. ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ፧

12. ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ፧ ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ፧

13. ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን፧ መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን፧

14. እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ

15-16. ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ

17. ብጊዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍሃሩር እንተ በርትዔ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ

18. ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ

19. ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡ ናይ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ

20. ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሐፈሩ፡ ናብኡ ምስ በጽሑሕፍረት ሐዞም።

21. ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዜብልኩም ኢኹም፡ ዜፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ አሎኹም።

22. ኣነስ፡ ሀቡኒ፡ ወይስ ጥሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሀቡለይዶ ኢለኩም እየ፧

23. ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ፧

24. ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ

25. ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ አለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም

26. ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ አሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዚዛረብ

27. ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም።

28. እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ።

29. ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡ ኤረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ።

30. ኣብ ልሳነይዶ ዓመጻ ይርከብ እዩ፧ ትንሓገይከ ነቲ ኽፋእዶ ኣይለልዮን እዩ፧