1. ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል

2. እቲ ግደ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ፡ እቲ ርስቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ካብ ላዕሊ እንታይ እዩ፧

3. ጥፍኣት ንዓመጽቲጸገማውን ንገበርቲ እከይ ደይኰነን ዚመጾም፧

4. ንሱስ ንመገደይዶ ኣይርእያን፧ ንዂለን ስጒምተይከ ኣይቈጽረንንዶ እዩ፧

5. ምስ ከንቱነት ሕብረት እንተ አሎኒ፡ እግረይ ናብ ጥልመት ትቕልጥፍ እንተ ዀይና፡

6. ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን

7. ስጒምተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለንልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ ስዒቡ እንተ ዀይኑ፡ ኣእዳወይ ገለ ርስሓት ተጸይቐን እንተ ዀይነንሲ፡

8. ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮፈልሰይውን ካብ ሱሩ ይመንቈስ

9. ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሀንዚሉስ፡ ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጾናትየ እንተ ዀይነ፡

10-12. ኤረ እዚ ነውሪ እዩ፡ ፈራዲ ዚቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡ ክሳዕ ሲኦል ዚበልዕ ሓዊንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዜጥፍእ እዩ እሞ፡ ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐንካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ

13. ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስንመሰሎም እንተ ነዐቕክዎ

14. ኣምላኽ ምስ ተንስኤ ደኣ፡ እንታይ ክገብር፡ ምስ ተቛጻጸረንስ፡ እንታይ ክመልሰሉ እየ፧

15. እቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን፧

16. ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ፡ ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡

17. ንቚራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ፡ እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዔ እንተ ዀይኑ፡

18. ንሱስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ደኣ ኸም ምስ ኣቦኡ ምሳይ ዐበየ፡ ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ኸኣ ንእኣ መራሕክዋ

19. ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ ወይስ ንድኻ ብዘይ ማቕ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡

20. ጐኑ ዘይመረቐኒጸጒሪ ኣባጊዔይ ዘየሞቖ እንተ ዀይኑ፡

21. ኣብ ደገስ ጸግዔይ ርእየ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ፡

22. መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር

23. መዓት ኣምላኽ ኣሰምበደኒ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን

24. ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ፡ ነቲ ጽሩይ ወርቂእምንቶይ ኢኻ፡ ኢለ እንተ ዀይነስ፡

25. ብእለይ በዚሑለይ ኢደይ ኣብዚሓ ደሊባ፡ ኢለ ተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡

26. ንምድማቕ ብርሃን ጸሓይን፡ ነቲ ኽቡር ኣኻይዳ ወርሕን ጠሚተ እንተ ዀይነ፡

27. ልበይ ብስውር ተጠቢሩስኣፈይ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ

28. በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ፡ እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቕጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ።

29. ብጒድኣት ጸላእየይ ባህ ኢሉኒ እንተ ዀይነ፡ መከራ ምስ ወረዶውንተሐጒሰ እንተ ዀይነ፡

30. ንነፍሱ እናረገምኩ ይሙት ክብል ንትንሓገይ ኣይፈቐድኩሉን

31. ሰብ ድንኳነይ፡ ካብ ስጋኡ ዘይጸገበ መን ኰን ይኸውን፧ ዘይበሉ እንተ ዀይኖም፡

32. መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሐደረንደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ

33-34. ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡ ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሐፈርኩስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሐቢኤዮንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡

35. ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ። እንሆ፡ ጽሕፈት ኢደይ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ይምለሰለይ፡ እቲ ወደረኛይ ድማ ክሱ ይጽሐፍ

36. ብሓቂ ኣብ መንኩበይ ምጾርክዎዘውደይውን ምገበርክዎ፡

37. ቊጽሪ ስጒምተይ መፍለጥክዎ፡ ከም መስፍን ዀይነ ምቐረብክዎ

38. ግራተይ ጠሪዓትለይ እንተ ዀይና፡ ኲለን ትልምታታውን በኽየን እንተ ዀይነን፡

39. መሰል ከይሀብኩስ ንፍሬኣ በሊዔዮ እንተ ዀይነ፡ ህይወት ሓረስቶት ኣሕዚነየን እንተ ዀይነ፡

40. ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይስ ክርዳድ፡ ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ሰዓዕ ተብቊለለይዘረባ እዮብ ኣብዚ ተፈጸመ