1. ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ

2. ነቲ ሓይሊ ዜብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሐገዝካዮ፡ ነቲ ጽንዓት ዝሰኣነ ቕልጽምውን ኣድሓንካዮ

3. ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሀብካዮክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ

4. ንመን ኢኻ ዘረባ እተዛረብካዮ፧ እቲ ኻባኻ ዚወጽእ መንፈስከ ናይ መን እዩ፧

5. ምውታትሲ ኣብ ትሕቲ ማያትን ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብኡ ዚነብሩን የንቀጥቅጡ ኣለው፡

6. ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕመዓሙቚውን ቅሉዕ እዩ።

7. ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ

8. ንማያት ኣብ ደበናኡ ይቘጽሮ፡ እቲ ደበናውን ብትሕቲኡ ኣይቕደድን

9. ደበናታቱ እናዘርግሓሉንገጹ ዝፋኑ ይስውሮ

10. ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዚፋላለንማይ ብኽቢ ወሰኖ

11. ኣዕኑድ ሰማይ የንቀጥቅጡብተግሳጹውን ይሽበሩ

12. ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ

13. ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ

14. ከብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል፧