1. ሰብውሉድ ሰበይቲሓጺር ዕድመጽጉብ ሓሳር እዩ።

2. ከም ዕንበባ ይዕንብብይጽምሉ ኸኣ፡ ከም ጽላሎት ይሀድምኣይነብርን ድማ።

3. ኣብ ከምዚ ዝበለዶ ኣዒንትኻ ቛሕ ተብል አሎኻ፧ ክፍረድስ ናብ ቅድሜኻዶ ትጐተኒ አሎኻ፧

4. ካብቲ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእልዶ አሎ፧ ሓደ እኳ የልቦን።

5. ዕድመ ሰብ ምዱብኣዋርሑ ኣባኻ ቚሩጽ ካብ ኰነ፡ ዘይሐልፋ ደረትውን ካብ ወሰንካሉስ

6. ንሱ ኸም ብዓል ውዕለትመዓልቱ ኽሳዕ ዚፍጽም ኪዐርፍሲ፡ ገጽካ ኻብኡ ምለስ

7. ኦምሲ ተስፋ አለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕውልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን እዩ።

8. ስሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገጒንዱ ኣብ መሬት እንተ ሞተ

9. ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፡ ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር

10. ሰብ ግና ይመውት እሞ ወዲቑ ይተርፍ፡ ሰብ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሐሊፋስ፡ ኣበይከ አሎ፧

11. ካብ ባሕርስ ማያት ከም ዚፈስስርባውን ከም ዚነጽፍን ዚደርቕን

12. ሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእንሰማያት ክሳዕ ዚሐልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን

13. ኣየቊጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲእንተ ትስውረኒ፡ ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብኣኒመዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ፡ ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ

14. ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእዘመን ሰልፈይ ኲሉ ምተጸቤኹ

15. ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።

16. ሕጂ ግና ንስጒምተይ ትቘጽረንንሓጢኣተይሲ ትቋመቶዶ ኣየሎኻን፧

17. ንኣበሳይ ኣብ ከረጺት ይሓትሞንበደለይውን ተጣብቖ አሎኻ።

18. ግናኸ፡ ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዚጠፍእከውሒውን ካብ ቦታኡ ዚግዕዝ

19. ከምቲ ማያት ነእማን ዜሕቅቖውሒዙውን ንመሬት ምድሪ ዚድምስሶ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ

20. ንስኻ ንሓዋሩ ትሕይሎ፡ ንሱውን ይሐልፍንገጹ ለዊጥካ ይኺድ ትገድፎ

21. ደቁ እንተ ኸበሩኣይፈልጦን፡ እንተ ሐሰሩውንኣየስተብህሎን እዩ።

22. ስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ ስቓይ እዩ ዚስምዖነፍሱ ኸኣ ብዛዕባ ርእሱ እያ እትጒሂ