1. ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታንጥርዓነይ ስቕ ኣየብሎንብምረት ነፍሰይ ደኣ ኽዛረብ እየ።

2. ንኣምላኽኣይትዀንነኒ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጻረረኒ ዘሎኻ፧ ኣፍልጠኒእብሎ አሎኹ፡

3. ንተግባር ኢድካ ኽትጭቊኖን ክትንዕቆን ነቲ ምኽሪ ረሲኣን ከኣ ከተብርሆንዶ ባህ የብለካ እዩ፧

4-7. ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን ካብ ኢድካ ዜናግፍ ከም ዜልቦንእናፈለጥካኣበሳይ እትደሊሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡ ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ፧ ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢመዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን፧ ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን፧

8. ኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰናሰርሓኒውን፡ ግናኸ ተጥፍኣኒ አሎኻ።

9. ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክርሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ አሎኻ።

10. ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡ ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ፧

11. ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ

12. ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሐለዎ

13. ግናኸ ነዚ ኣብ ልብኻ ሐባእካዮ፡ ሓሳብካስ እዚ ኸም ዝነበረ እፈልጥ አሎኹ።

14. እንተ ዝብድልሲ ምተቛመትካኒ፡ ካብ ኣበሳይውን ኣይምፈታሕካንን

15. ረሲእ እንተ ዀንኩ፡ ወይለይጻድቕ እንተ ዀንኩ ድማ፡ ሓሳር እጸግብ መከራይውን እርኢ አሎኹ እሞ፡ ርእሰይ ከልዕል ኣይከኣለንን እዩ።

16. ልዕል እንተ ዘብሎ ድማ፡ ከም ኣንበሳ ምሀደንካኒመሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ግሩም ስልጣንካ መርኤኻ።

17. ሐሓደስቲ ምስክር መቘምካለይ፡ ንቚጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ብዕጽፊ መውረድካዮ፡ እተለዋወጠ ዚጻረረኒ ጭፍራ ምሰደድካለይ።

18. ንምንታይ ደኣ እሞ ካብ ማሕጸን ኣውጻእካኒ፧ ኣየ፡ ዓይኒ ኸይረአየትኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን።

19. ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ፡ ካብ ማሕጸን ናብ መቓብር መውረዱኒ ነይሮም።

20-22. መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን፧ ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡ ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን ስርዓት ዜብላን ሃገር፡ ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡ ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩቅሩብ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ