1. በቲ ዘመን እቲ ዓጻጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ዓጻጽምቲ መሳፍንቱን ዓጻጽምቲ ኻህናትን ዓጻጽምቲ ነብያትን ዓጻጽምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ካብ መቓብሮም ኬውጽእዎ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

2. ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዐብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኲሎም ሰራዊት ሰማይን ኪሰጥሕዎ እዮም። ኣብ ርእሲ ምድሪ ድዂዒ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ዚእክቦ ወይስ ዚቐብሮ የልቦን።

3. ኲሎም እቶም ተረፍ ናይ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ስፍራ ዝተረፈ፡ ካብ ህይወት ሞት ኪሐርዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ድማ ንገሮምዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ እዩ፧ መገዲ እተጋገየኸ ኣይምለስንዶ እዩ፧

5. ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም፧ ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስውን ይኣብዩ

6. ጽን ኢለ ሰማዕኩ፡ ቅንዕና ኣይዛረቡን፡ ካብ ክፍኣቱ ዚጠዐስ፡ እንታይ እየ ዝገበርክዎ ኸኣ ዚብል የልቦን፡ ከምቲ ናብ ኲናት ዚፋንን ፈረስ ነፍሲ ወከፍ ይጐዪ አሎ።

7. ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥኳትራን ለዃዂቶን ዓያን ዚመጻሉ ግዝያት የስተብህላ እየን፡ ህዝበይ ግና ፍትሒ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን እዩ።

8. ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና አሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፧ ግናኸ እንሆ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ ሓሶትሲ ናብ ሓሶት ገልቢጥዋ እዩ።

9. እቶም ጥበበኛታት እዚኣቶም ኪሐፍሩን ኪስምብዱን ኪተሐዙን እዮም። እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን አለዎም እዩ፧

10. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ እዮም፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ኣለው እሞ፡ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበንግራሁኦም ድማ ንዜጥርይዎ ኽህቦ እየ።

11. ሰላም ዜልቦስሰላምሰላም እናበሉ፡ ነቲ መስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።

12. ጽያፍ ስለ ዝገበሩ ኺሐፍሩዶ እዮም፧ ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምኳኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁብጊዜ ቕጽዓቶም ድማ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

13. ኣነ ርግጽ ከጽንቶም እየ፡ ኣብ ሓረግ ወይኒ ዘቢብ ኣይርከብን፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ የልቦን፡ እቲ ቘጽሊ እኳ ይሐርር፡ ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኽህቦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

14. ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልናእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣጥፊኡናማይ ስሚ ድማ ኣስትዩና እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ስቕ ኢልና ንቕመጥተኣከቡ፡ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኣብኤን ከኣ ንጥፋእ

15. ሰላም ተጸቤና፡ ግናኸ ጽቡቕ ኣይመጸንእንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና፡ እንሆ ኸኣ፡ ስምባድ ኰነ።

16. ናይ ኣፍራሱ ዂርፍ ምባል ካብ ዳን ይስማዕብደሃይ ምሕምሓም ጅንጒላታቱ ድማ ኲላ እታ ሃገር ትርዕድመጹ፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዚነብሩን ከኣ በልዕዎም

17. እንሆ፡ ዓዛሚ ኺዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገባብልን ክሰደልኩም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪነኽሱኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

18. ኣብ ሐዘነይሲ ምጽንናዕ ኣበይ ክረክብ እየ፧ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሰለውለው ይብለኒ አሎ።

19. እንሆ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ጽዮን የሎን፧ ንጉሳዶ ኣብኣ የሎን እዩ፧ ዚብል ኣውያት ጓል ህዝበይ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ አሎ። ስለምንታይ ደኣ ብቕሩጽ ምስልታቶምን ብጓኖት ጣኦታቶምን ዜቘጥዑኒ

20. ቀውዒ ሐለፈሓጋይ ተወድኤ፡ ንሕና ኸኣ ኣይደሐንናን

21. ጓል ህዝበይ ስለ እተሰብረት፡ ተሰበርኩ፡ ጸለምኩ ሰካሕኩውን

22. ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፈፉ ዘይሐዊ