1. እቲ ብዘመን ዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዚብል እዩ፡

2. ናብ ቤት ሬካብ ኪድ እሞ ተዛረቦም፡ ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ናይ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኣእትዎምወይኒ ኺሰትዩውን ሀቦም።

3. ሽዑ ንያዘንያወዲ ኤርምያስወዲ ኻባጽንያን ነሕዋቱን ንዂሎም ደቁን ንዂሎም ቤት ሬካብን ወሰድክዎም

4. ናብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያወዲ ሻሉም ሓላው ደገ ዘላ ኽፍሊ ቤት፡ ደቂ ኻናን ወዲ ኢግዳሊያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣእቶኽዎም

5. ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ቤት ሬካብ ከኣ ወይኒ ዝመልኣ ሰራሙን ዋናጩን ቀሪበወይኒ ስተዩበልክዎም

6-7. ንሳቶም ግና መለሱዮናዳብወዲ ሬካብ ኣቦናኣባይቲ ኣይትስርሑ፡ ዘርኢ ኣይትዝርኡኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ ኣይተጥርዩውን፡ ኣብታ ኣጋይስ ኴንኩም ሰሪርኩምዋ ዘሎኹም ሃገርሲዕድሜኹም ምእንቲ ኺነውሕ፡ ኲሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፡ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።

8. ድማ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዂሉ ዘመንና ወይኒ ኸይንሰቲ ንድምጺ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣቦና በቲ ዝኣዘዘና ዂሉ ተኣዚዝናዮ ኢና።

9. እንነብረለን ኣባይቲ ኣይንሰርሕንኣታኽልቲ ወይንን ግርሁን ዘርእን ኣይነጥርን።

10. እምበኣርሲ ኸምቲ ዮናዳብ ኣቦና ዝኣዘዘና ዂሉ ጌርና ተኣዚዝናዮ ኢና እሞ፡ ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር ዘሎና።

11. ግናከ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ ወጸ፡ ካብ ገጽ ሰራዊት ከለዳውያንን ካብ ገጽ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ የሩሳሌም ንጒዐዝ ኢልና፡ በዚ ኸምዚ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጥና አሎና።

12-13. ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸኪድ እሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩንቃለይ ንምስማዕሲ ተግሳጽዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም

14. እቲ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፡ ወይኒ ኣይትስተዩ፡ ኢሉ ዝኣዘዞም ቃላት ጸንዔ። ንሳቶም ከኣ ንትእዛዝ ኣቦኦም ሰምዑ እሞ፡ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነስ ተዛሪበኩምኣንጊሄ ተዛሪበኩም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን

15. ኣነ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱግብርኹም ከኣ ኣቕንዑ፡ ከተገልግልዎም ኢልኩምውን ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡ ሽዑ ኣብታ ኣነ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ንዂላቶም ኣገልገልተይ ነብያት ለኣኽኩልኩምኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም፡ ንስኻትኩም ግና እዝንኹም ኣይጸሎኹንም ኣይሰማዕኩንን ድማ።

16. ደቂ ዮናዳብ ወዲ ሬካብሲ ነቲ ኣቦኦም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ኣጽንዕዎ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ግና ኣይሰምዓንን

17. ስለዚ እግዚኣብሄርኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንጸዊዔዮም ከኣ ኣይመለሱን እሞ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝለዉ ዂላቶምን እቲ እተዛረብኩሎም ኲሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ይብል አሎ።

18. ኤርምያስ ከኣ ንቤት ሬካብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ንትእዛዝ ዮናዳብ ኣቦኹም ስለ እተኣዘዝኩም፡ ንዂሉ ትእዛዙ ኸኣ ስለ ዘጽናዕኩም፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘኩም ኲሉ ሰለ ዝገበርኩም

19. ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ንሓዋሩ ኣይኪስእንን እዩ፡ ይብል አሎ።