1. እቲ ብዘመን ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዚብል እዩ፡
2. ናብ ቤት ሬካብ ኪድ እሞ ተዛረቦም፡ ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ናይ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኣእትዎም፡ ወይኒ ኺሰትዩውን ሀቦም።
3. ሽዑ ንያዘንያ፡ ወዲ ኤርምያስ፡ ወዲ ኻባጽንያን ነሕዋቱን ንዂሎም ደቁን ንዂሎም ቤት ሬካብን ወሰድክዎም፡
4. ናብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ፡ ወዲ ሻሉም ሓላው ደገ ዘላ ኽፍሊ ቤት፡ ደቂ ኻናን ወዲ ኢግዳሊያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣእቶኽዎም።
5. ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ቤት ሬካብ ከኣ ወይኒ ዝመልኣ ሰራሙን ዋናጩን ቀሪበ፡ ወይኒ ስተዩ፡ በልክዎም።
6-7. ንሳቶም ግና መለሱ፡ ዮናዳብ፡ ወዲ ሬካብ ኣቦና፡ ኣባይቲ ኣይትስርሑ፡ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ ኣይተጥርዩውን፡ ኣብታ ኣጋይስ ኴንኩም ሰሪርኩምዋ ዘሎኹም ሃገርሲ፡ ዕድሜኹም ምእንቲ ኺነውሕ፡ ኲሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፡ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።
8. ድማ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዂሉ ዘመንና ወይኒ ኸይንሰቲ ንድምጺ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣቦና በቲ ዝኣዘዘና ዂሉ ተኣዚዝናዮ ኢና።
9. እንነብረለን ኣባይቲ ኣይንሰርሕን፡ ኣታኽልቲ ወይንን ግርሁን ዘርእን ኣይነጥርን።
10. እምበኣርሲ ኸምቲ ዮናዳብ ኣቦና ዝኣዘዘና ዂሉ ጌርና ተኣዚዝናዮ ኢና እሞ፡ ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር ዘሎና።
11. ግናከ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ ወጸ፡ ካብ ገጽ ሰራዊት ከለዳውያንን ካብ ገጽ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ የሩሳሌም ንጒዐዝ ኢልና፡ በዚ ኸምዚ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጥና አሎና።
12-13. ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡ ኪድ እሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ ቃለይ ንምስማዕሲ ተግሳጽዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢልካ ንገሮም።
14. እቲ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፡ ወይኒ ኣይትስተዩ፡ ኢሉ ዝኣዘዞም ቃላት ጸንዔ። ንሳቶም ከኣ ንትእዛዝ ኣቦኦም ሰምዑ እሞ፡ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነስ ተዛሪበኩም፡ ኣንጊሄ ተዛሪበኩም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን።
15. ኣነ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ ግብርኹም ከኣ ኣቕንዑ፡ ከተገልግልዎም ኢልኩምውን ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡ ሽዑ ኣብታ ኣነ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ንዂላቶም ኣገልገልተይ ነብያት ለኣኽኩልኩም፡ ኣንጊሄ ለኣኽኩልኩም፡ ንስኻትኩም ግና እዝንኹም ኣይጸሎኹንም ኣይሰማዕኩንን ድማ።
16. ደቂ ዮናዳብ ወዲ ሬካብሲ ነቲ ኣቦኦም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ኣጽንዕዎ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ግና ኣይሰምዓንን።
17. ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ተዛሪበዮም ኣይሰምዑን፡ ጸዊዔዮም ከኣ ኣይመለሱን እሞ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝለዉ ዂላቶምን እቲ እተዛረብኩሎም ኲሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ይብል አሎ።
18. ኤርምያስ ከኣ ንቤት ሬካብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ንትእዛዝ ዮናዳብ ኣቦኹም ስለ እተኣዘዝኩም፡ ንዂሉ ትእዛዙ ኸኣ ስለ ዘጽናዕኩም፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘኩም ኲሉ ሰለ ዝገበርኩም፡
19. ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ንሓዋሩ ኣይኪስእንን እዩ፡ ይብል አሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...