1-2. ንጉስ ጼድቅያስ ንጳሽሑርወዲ መልክያን ንጻፋንያስ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንንናብክደናጾር ንጉስ ባቢሎንኪዋግኣና ይብል አሎ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኲሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዚመልሶ እንተ ዀነስ፡ እስከ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልናኪብልዎ ናብ ኤርምያስ ምስ ለኣኾም፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ።

3. ኤርምያስ ከኣ፡ ንጼድቅያስ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎ፡ በሎም

4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ንንጉስ ባቢሎንን ነቶም ብኽንየው ቀጽሪ ዚኸቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ክመልሶ ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክእክቦ እየ።

5. ኣነ ባዕለይ ብተዘርግሔት ኢድን ብብርቱዕ ቅልጽምን ብዂራን ብነድርን ብዓብዪ ቚጥዓን ክዋግኣኩም እየ።

6. ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንዚነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፡ ብብርቱዕ ፌራ ድማ ኪሞቱ እዮም።

7. ድሕርዚ ኸኣ ንጼድቅያስንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ነቶም ካብ ፌራን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን ናብ ኢድ ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ እቶም ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ክምጥዎም እየ። ንሱ ኸኣ ብብልሒ ሰይፊ ኺወቕዖምኣይኪንሕፎምን ኣይኪድንግጸሎምን ኣይኪምሕሮምን ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

8. ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ክትብሎ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን ኤንብር አሎኹ።

9. ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመት ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ። ግናኸ እቲ ወጺኡ ናብቶም ከቢቦምኹም ዘለዉ ከለዳውያን ዚኣቱ ብህይወቱ ኺነብርነፍሱ ኸኣ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ።

10. ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንኽፉእገጸይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ አሎኹ እሞ፡ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሀብ እያ፡ ንሱውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

11. ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በሎም፡

12. ኣቱም ቤት ዳዊትብሰሪ እከይ ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድዜጥፍኦ ኽሳዕ ዚስእን ከኣ ከይነድድሲኣንጊህኩም ፍርዲ ፍረዱ፡ ነቲ እተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎይብል እግዚኣብሄር

13. ኣቲ ኣብ ለሰ ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘሎኺ፡ እኔኹ፡ ናብ ርእስኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ከኣ፡ መን እዩ ሓደጋ ዚወድቀና፧ መንከ እዩ ኣብ ሰፈርና ዚኣቱእትብሉ ዘሎኹም፡

14. ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ገይረ ክቐጽዓኩም፡ ኣብቲ ዱራ ሓዊ ኽኣጒድ እየ እሞ፡ ንዂሉ ኸባቢኣ ኺበልዖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር