1. ፈርኦን ንጋዛ ኸይወግኣ ኸሎ፡ እቲ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
2. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ማያት ካብ ሰሜን ይድይብ፡ ደምሳሳይ ውሒዝ ይኸውን፡ ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን፡ ነተን ከተማታትን ኣባታተን ዚነብሩን ይድምስስ፡ እቶም ሰብ ከኣ ይጭፍሑ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎምውን የእውዩ።
3-4. እግዚኣብሄር ነቶም ካብ ደሴት ካፍቶር ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ኬጥፍኦም እዩ እሞ፡ ንድባበ ዂሎም እቶም ተረፍ ደገፍቲ ጢሮስን ሲዶንን፡ እታ ዂሎም ፍልስጥኤማውያን ዚጠፍኡላ መዓልቲ ስለ ዝመጸት፡ ብሰሪ እቲ ዃሕኳሕ ናይ ሸዃኑ እቶም ሓያላት ኣፍራሱን ብሰሪ እቲ ህማም ናይ ዓረብያታቱን ብሰሪ እቲ ሓርገምገም ዕንክሊል ሰረገላታቱን፡ ኣቦታት ኣእዳዎም ወለል ኢልዎም፡ ንደቆም ግልጽ ኣይኪብሉን እዮም።
5. ጋዛ በርሔት፡ ኣስቃሎን ጠፍኤት፡ ተረፍ ቋላታተን። ክሳዕ መኣዝ ክትመልጢ ኢኺ፧
6. ኣየ፡ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፡ መኣዝ ኰን ክትዐርፍ ኢኻ፧ ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ዕረፍ፡ ህዳእ።
7. እግዚኣብሄር ኣዚዙካ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌርካኸ ኽትዐርፍ፧ ናብ ኣስቃሎንን ናብ ገምገም ባሕርን ልኢኽዎ አሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...