1. ኰነ ድማ፡ በታ ዓመት እቲኣ ብመጀመርታ መንግስቱ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ኣብ ሓምሳይ ወርሒሃናንያወዲ ነብዪ ዓዙር ብዓል ጊብኦን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኲሉ ህዝብን ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ

2. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ፡

3. ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብዛ ስፍራ እዚኣ ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ዂሉ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዘን ክልተ ዓመት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልሶ እየ።

4. ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፡ ንኢኮንያወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንዂላቶም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

5. ሽዑ ነብዪ ኤርምያስ ንነብዪ ሃናንያ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቈይሙ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን መለሰሉ

6. ነብዪ ኤርምያስ ድማ በለኣሜንእግዚኣብሄር ይግበሮኸ። እቲ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄርን ኲላቶም ምሩኻትን ካብ ባቢሎን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኺምለሱስ፡ ነቲ እተነቤኻዮ ቓላትካ እግዚኣብሄር የጽንዓዮ

7. ግናኸ ነቲ ኣብ እዝንኻን ኣብ እዝኒ ዂሉ እዚ ህዝቢ እዝን ዝዛረቦ ዘለወኹ ቓል ስማዕ

8. እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ኣብ ብዙሕ ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ብናይ ውግእን ብናይ መዓትን ብናይ ፌራን ተነበዩ

9. እቲ ሰላም ዚንበ ነብዪቃል እቲ ነብዪ እቲ ምስ ተፈጸመ እዩ ብሓቂ ነቲ ነብዪ እቲ እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኾ ዚፍለጥ

10. ሽዑ ነብዪ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ሰባበሮ

11. ሃናንያ ኸኣ፡ ከምዚ ገይረ ነርዑት ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብ ክሳድ ኲላቶም ህዝብታት ኣብዘን ክልተ ዓመት ክሰብሮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ህዝቢ ተዛረበነብዪ ኤርምያስ ከኣ መገዱ ኸደ

12. ነብዪ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፡ ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡

13. ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ፡ ኣርዑት ዕጨይቲ ሰበርካ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ኣርዑት ሓጺን ክትገብር ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር

14. ንነቡካስነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ምእንቲ ኺግዝኡስኪግዝኡ ኸኣ እዮም፡ እንስሳ መሮር እኳ ሂበዮ አሎኹ እሞ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድ ኲሎም እዞም ህዝብታት እዚኦም ኣእትየ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኢልካ በሎ።

15-16. ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ንነብዪ ሃናንያሃናንያስማዕ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፡ ንስኻ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ሓሶት ክውከል ኣስሐትካዮ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ካብ ዝባን ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዕልወት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ፡ ኢሉ ነገሮ

17. ሽዑ ነብዪ ሃናንያ በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ሳብዓይ ወርሒ ሞተ