1. እግዚኣብሄር ከምዚ በለ፡ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ ኣብኡ እዚ ቓል እዚ ተዛረብ

2. በል ከኣ፡ ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘሎኻ ንጉስ ይሁዳ፡ እቶም በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ንስኻን ግዙኣትካን ህዝብኻንቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡

3. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ፍርድን ጽድቅን ግበሩ፡ ነቲ እተዘምተ ኸኣ ካብ ኢድ ዓማጺኡ ኣድሕንዎንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ኣይትዐግቡን ኣይትዐምጹን፡ ኣብዚ ስፍራ እዚውን ንጹህ ደም ኣይትኽዐዉ

4. ነዛ ቓል እዚኣ ብሓቂ እንተ ገበርክምዋ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታት፡ ንሱን ግዙኣቱን ህዝቡን፡ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም ብደጌታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም።

5. ግናኸ ነዘን ቃላት እዚኤን እንተ ዘይሰማዕኩም፡ እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዖኑብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

6. ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ንስኻ ንኣይ ከም ጊልኣድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ብርግጽ ከም ምድረ በዳ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።

7. ነፍሲ ወከፍ መምስ ኣጽዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ነቲ መምሩስ ጽሕድታትካ ኪቘርጽዎን ኣብ ሓዊ ድማ ኬእትውዎን እዮም።

8. ብዙሓት ህዝብታት በዛ ኸተማ እዚኣ ኺሐልፉንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራኪባሃሀሉ እዮም።

9. ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደጉንንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ዘምለኹን እዩ፡ ኢሎም ከኣ ኪመልሱሎም እዮም።

10-12. እግዚኣብሄርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ዝነገሰ፡ ካብዚ ስፍራ እዚ ኸኣ ዝወጸ ሻሉምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብዚ ከቶ ኣይኪምለስን እዩ፡ ኣብቲ እተማረኸሉ ስፍራ ኺመውት እዩ እምበር፡ ነዛ ሃገር እዚኣስ ምንም ኣይኪርእያን እዩ፡ ይብል አሎ እሞ፡ እቲ ዚኸይድ ናብታ እተወልደላ ሃገር ኣይኪምለስን ኣይኪርእያንውን እዩ፡ ስለዚ ንእኡ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ እምበር፡ ንምውትሲ ኣይትብከዩሉን ኣይትሕዘኑሉን

13-14. እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሀንጽ እየ፡ ዚብል ወይለኡመስኰት የውጽኣላብጽሕዲይረባብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ

15. ብጽሕዲ እንተ ኣጌጽካ ይዀን ክትነግስ ኢኻ፡ ኣቦኻስ ኣይበልዔን ኣይሰተየንዶጽድቅን ፍርድንከ ኣይገበረንዶ እዩ፧ ሽዑ ደኣ ደሓን ኰነሉ።

16. ነቲ ሽጉርን ድኻን ፍትሒ ኣውጽኤ፡ ስለዚ ደሓን ኰነሉ። እዚ ነኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን፧ ይብል እግዚኣብሄር

17. ዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምም ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሑዝ እዩ።

18. ስለዚ ብዛዕባ ዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ዋይ ሓወይ፡ ዋይ ሓብተይ፡ ኢሉ ዜልቅሰሉ የልቦን። ኣየ ጐይታኣየ ኽብረቱኢሎም ከኣ ኣይኬልቅሱሉን እዮም።

19. ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኪቐብርዎጓቲቶም ብኽንየው ደጌታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም።

20. ኲላቶም ፈተውትኺ ተደቚሶም እዮም እሞ፡ ናብ ሊባኖስ ደዪቢ ኣእውዪ ኸኣ። ድምጽኺ ናብ ባሳን ዓው አብሊ፡ ካብ ዓባሪም ድማ ኣእውዪ።

21. ደሓን ከሎኺ ተዛረብኩኺ፡ ንስኺ ግና፡ ኣይሰምዕንበልኪድምጸይ ዘይምስማዕክስ እቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚሩ ዝነበረ መገድኺ እዩ።

22. ንዂሎም ጓሶትኪ ንፋስ ኪጓስዮም እዩ፡ ፈተውትኺ ድማ ኪማረኹ እዮም። ሽዑ ብሰሪ እከይኪ ኽትሐፍርን ክትሐንክን ኢኺ።

23. ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፡ ኣቲ ብጽሕዲ ኣጒዶኺ እትሰርሒ ዘሎኺ፡ ከምቲ ቕልውላው ንወላዲት ዚሕዛ፡ ጸበባ ምስ መጸኪ፡ ክንደይ መደንገጺ ዀን ክትኰኒ ኢኺ።

24. ኢኮንያስወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ የማናይ ኢደይ ቀለቤት መሕተሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣነ ህያው ከም ዝዀንኩ፡ ካብኡ ኸውጽኣካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

25. ኣነ ኣብ ኢድ እቲም ንነፍስኻ ዚደልዩን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ናቡክደናጾር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ክምጥወካ እየ።

26. ንኣኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምሉ ሃገር ጓና ኽሰጐኩም እየ። ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።

27. ናብታ ኺምለስዋ ዚናፍቕዋ ሃገር፡ ናብኣ ኣይኪምለሱን እዮም።

28. እምበኣርሲ እዚ ሰብኣይ፡ እዚ ኢኮንያዶ ንዑቕን ስቡርን ኣቕሓ እዩ፧ ዘየብህግ ኣቕሓዶኸ እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ንሱን ዘርኡን ተወንጨፉ፡ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገርስ ተደርበዩ

29. ኣቲ ሃገር፡ ኣቲ ሃገር፡ ኣቲ ሃገርቃል እግዚኣብሄር ስምዒ

30. ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ ርህይዎ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዚነግስ የልቦን እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸም መኻንብዕለቱ ኸም ዘይረሀዎ ሰብ ኢልኩም ጽሐፉይብል እግዚኣብሄር