1. ጼድቅያስ መንግስቲ ኺጅምር ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌምውን ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤኣዲኡ ሃሚጣል እትበሀል ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።

2. ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ዂሉ ዮኣቂም ዝገበሮ ኽፉእ ገበረ

3. ኲራ እግዚኣብሄር፡ ካብ ቅድሚ ገጹ ኽሳዕ ዚድርብዮም፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ይሁዳን ከምዚ ዀነ፡ ጼድቅያስ ከኣ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ

4. ኣብታ ታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ንሱን ኲሉ ሰራዊቱን ኣብ የሩሳሌም መጹ፡ ኣብ ዙርያኣ ሰፈሩዕርድታት ሰሪሖም ከኣ ከበብዋ

5. እታ ኸተማ ድማ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ንንጉስ ጼድቅያስ ተኸቢባ ነበረት።

6. ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲጥሜት ኣብታ ኸተማ በርትዔህዝቢ እታ ሃገርውን እንጌራ ሰኣነ

7. ከለዳውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ኸለዉ፡ ሽዑ እታ ኸተማ ጋህ ኢላ ተኸፍተት፡ ኲሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ብመንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ወጺኦም ሀደሙ፡ በቲ መገዲ ጐልጐል ከኣ ኸዱ

8. ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዐብዎንጼድቅያስ ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎሰራዊቱ ኸኣ ሐዲግዎ ፋሕ በለ

9. ሽዑ ነቲ ንጉስ ሐዝዎ፡ ናብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምጽእዎ፡ ንሱውን ፍርዱ ተዛረበ

10. ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንደቂ ጼድቅያስ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሐረዶም፡ ምስናይ እዚ ድማ ንዂሎም መሳፍንቲ ይሁዳ ኣብ ሪብላ ሐረዶም።

11. ንጼድቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣንቈሮንጉስ ባቢሎንውን ብመቚሕ ነሓሲ ኣሰሮ፡ ናብ ባቢሎን ወሰዶ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ

12. ኣብታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓት ዓመቱ ናቡዘራዳን፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ባቢሎን ዚቐውም ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ናብ የሩሳሌም መጸ

13. ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ከኣ ኣንደደንዂለን ኣባይቲ የሩሳሌም፡ ምናዳ እኳ ነተን ዓበይቲ ኣባይቲ ዘበላ ብሓዊ ኣንደደን።

14. ኲሉ እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ ንዂሉ እቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ መንደቕ የሩሳሌም ኣፍረሶ

15. ናብዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ካብቶም ድኻታት ህዝብን፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ተረፍ ህዝብን፡ ነቶም ቅድም ናብ ንጉስ ባቢሎን ዝኣተዉ ዓለወኛታትን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ብዙሓትን ማረኾም

16. ናቡዘራዳንሓለቓ ዘብዔኛታት ግና ካብቶም ኣዝዮም ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ኪዀኑ ኣትረፎም

17. ከለዳውያን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ መናብርን ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ንዂሉ እቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ

18. ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ጽውኣትን ኲሉ እቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ

19. እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ነቲ ኣጻሕልን ምድጃን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚታት ቀንዴልን ፈናጅልን ጽውኣትን፡ ናይ ወርቂ ዝዀነ ወርቁ፡ ናብ ብሩር ዝዀነ ብሩር ወሰደ

20. እተን ክልተ ዓንድን እቲ ሓደ ባሕርን እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዘግበሮ መናባር ዝዀነ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ኣስራዝን ወሰዶ። ነዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ መምዘኒ ኣይተረኽበሉን

21. እተን ኣዕኑድ ከኣ፡ ቁመት ሓንቲኤን ነዘን ኣዕኑድ እዚኣተን ዓሰርተው ሾሞንተ እመት እዩ። ዙርያኣ ድማ ዓሰርተው ክልተ ዝእመታ ፈትሊ እትልክዓ እያ። ምርጓዳ ኣርባዕተ ጻት እዩ፡ ጓንጓውን እያ።

22. ብልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ አለዎ፡ ምናሕ ሓደ ጒልላት ድማ ሓሙሽተ እመት እዩ። ዙርያ እቲ ጒልላት ከኣ ብስራሕ ዓይነርጋብን ሮማንን ክሉል እዩ፡ ኲሉ ድማ ካብ ኣስራዚ እዩ። እታ ኻልኣይቲ ዓንድን እተን ሮማንን ከኣ ከምኣ እየን።

23. እተን ሮማን ብወጻኢ ተስዓን ሹድሽተን እየን። ኲለን እተን ሮማን ኣብ ዙርያ እቲ ዓይነርጋብ ከኣ ሚእቲ እየን።

24. እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሰራያ ሊቀ ኻህንን ንጸፋንያ እቲ ኻልኣይ ካህንን ነቶም ሰለስተ ሓለውቲ ደገን ወሰዶም

25. ካብታ ኸተማ ኸኣ ንሓደ ኣዛዝ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ገጽ ንጉስ ዚርእዩ ሾብዓተ ሰብኡትን፡ ነቲ ህዝቢ እታ ሃገር ንውግእ ዚምልምል ዝነበረ ጻሓፊ ናይቲ ሓለቓ ሰራዊትን፡ ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ስሳ ሰብኡት ካብ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰዶም

26. ነዚኣቶም ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ወሲዱ ናብ ሪብላ ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምጽኦም

27. ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብ ሪብላ ኣብ ሃገር ሃማት ወቕዖም ቀተሎም ድማ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ

28. እቲ ነቡካድነጻር ዝማረኾ ህዝቢ እዚ እዩ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰለስተ ሽሕን ዕስራን ሰለስተን ኣይሁድ

29. በታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ንነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ነፍሲ ማረኸ

30. በታ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንነቡካድነጸር ድማ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ካብ ኣይሁድ ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ማረኸኲሉ እቲ ሰብ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እዩ።

31. ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ዚማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ግዝኣቱ ንርእሲ ዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ ልዕል ኣበሎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውጽኦ

32. ብጽቡቕ ተዛረቦንመንበሩ ድማ ካብቲ መንበር እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣቢሉ ኣንበሮ

33. ክዳን እስራቱ ለወጠምሉእ ዕድሚኡ ኸኣ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ

34. ምግቡ ድማ ኲሉ ጊዜ ወግሔ ጸብሔ ምሉእ ዕድሚኡ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኻብ ንጉስ ባቢሎን ይመጸሉ ነበረ።

Chap 51