1. ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስርእሰይ ዔላ ማይኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሀበኒ።

2. ወዮ፡ ኲላቶም ዘመውትን ኣኼባ ጥልመትን ኰይኖም እዮም እሞ፡ ኣብ በረኻ ማሕደር መንገደኛታት እንተ ትህልውንስ፡ ህዝበይ ምሐደግኩ፡ ካብኦምውን ምረሐቕኩ ነይረ።

3. ካብ እከይ ናብ እከይ ይሐልፉ፡ ንኣይ ከኣ ኣይፈልጡንን እዮም እሞ፡ ንልሳኖም ከም ቀስቶም ገይሮም ሓሶት ይግትሩ ኣለው፡ ንሓቂ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣብታ ሃገርሲ ሓያላት እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

4. ነፍሲ ወከፍ ሓው ይጥብር፡ ነፍሲ ወከፍ ብጻይ ድማ እናሐመየ ይኸይድ አሎ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ብጻዩ ይጠንቀቕ፡ ኣብ ሓዉውን ኣይተኣመን።

5. እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎሓቂ ኸኣ ኣይዛረቡንልሳውንቶም ሓሶት ንምዝራብ የልምዱእከይ ንምግባርውን ይደኽሙ

6. እትነብረሉ ዘሎኻ ማእከል ጥበራ እዩ፡ ብሰሪ ምጥባር ድማ ምፍላጠይ ኣበዩይብል እግዚኣብሄር

7. ስለዚ፡ እንሆ፡ ክዂልዖምን ክምርምሮምን እየ፡ ብናይ ጓል ህዝበይሲ እንታይ ካልእ ደኣ ኽገብር እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

8. ልሳኖም ዚቐትል ፍላጻ እዩ፡ ጥበራ ይዛረቡ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦብልቡ ግና ይቃጸዎ

9. በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ፡ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ፧ ይብል እግዚኣብሄር።

10. ንኣኽራን እበኽየሉን እድጒዓሉን፡ ነቲ መውፈር በረኻውን፡ ብሓዊ ነዲዱ ዚሐልፈሉ የልቦን እሞ፡ እቚዝመሉ አሎኹ። ኣብኡ ንቅዋ ኸብቲ ኣይስማዕንኣዕዋፍ ሰማይ ኰነ ኻልኦት እንስሳውን ሀዲሞም ተጸርገፉ

11. ንየሩሳሌም መዀመር እምንን ሰፈር ወኻሩን ክገብራከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ዑናታት ክገብረን እየ።

12. እቲ ነዚ ዜስተውዕሎ ጥበበኛ መን እዩ፧ ነዚ ኺገልጾኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረቦ፧ እታ ሃገር፡ ሓደ እኳ ዚሐልፋ ዜብላ ዀይና፡ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍኤትሲ ስለምንታይ እዩ፧

13. እግዚኣብሄር ከኣ ይብል፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘንበርክዎ ሕገይ ሐደጉድምጸይ ከኣ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን

14. ግናኸ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዘስተምሀርዎም ደድሕሪ በዓል ሰዐቡ እሞ፡

15. ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ከብልዖማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮ እየ፡

16. ኣብ ማእከል እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ።

17. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣስተብሂልኩም በኸይቲ ኣንስቲ ኺመጻ ጸውዑ፡ እተን ለባማት ኪመጻ ድማ ልኣኹለን

18-19. ሃገር ስለ ዝሐደግናኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዚብል ድምጺ ቚዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ አሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ኪቐዝርኰበሮ ዓይንናውን ማይ ኬውሕዝቀልጢፈን ይቘዝማልና

20-21. ንቘልዑ ኻብ ቅርዓትነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኼብርስሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራወትና አትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲቃል እግዚኣብሄር ስምዓኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበልነዋልድክን ቊዝማ ኣልምዳንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሀራ።

22. እግዚኣብሄርሲሬሳታት እቶም ሰብ፡ ከምቲ ደድሕሪ ዓጻዲ ዚእክቦ ዜብሉ እንዳእቲ፡ ከም ድዂዒ ኣብ ግራት ኪወድቁ እዮም፡ ይብል አሎ፡ ኢልካ ንገሮም

23. ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሐበንሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሐበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር

24. ዚሕበንሲ - እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ፡ - ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሐበንይብል እግዚኣብሄር።

25-26. ኲላቶም ኣህዛብ ኣይተገዝሩን፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ልባ ኣይተገዝረን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ዘይተገዝሩ ግዙራትንግብጽን ንይሁዳን ንኤዶምን ንደቂ ዓሞንን ንሞኣብን ነቶም ጽጒሮም ወሰነወሰን ዚላጸዩ ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ዂላቶምን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር