1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄርውን ናባይ መጸ።

2-4. እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ስፍራ እዚ ዚውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድንብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም ኣዴታትን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር ዝወለድዎም ኣቦታትን ከምዚ ይብል አሎ፡ ብብርቱዕ ሕማም ኪሞቱ እዮም፡ ኣይኪብከዮምን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ኣብዚ ስፍራ እዚ ኣይሀልውኻ።

5. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ሰላመይን ሳህለይን ምሕረተይን ካብዚ ህዝቢ እዚ ኣርሒቐ አሎኹ እሞ፡ ኣብ ቤት ሓዘንቲ ኣይትእቶከተልቅስ ድማ ኣይትኺድኣይተትሐዝኖምውን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

6. ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዓበይትን ናእሽቱን ኪሞቱ ኣይኪቕበሩን ከኣ እዮም፡ ሓደ እኳ ዚበኽየሎምን ዚመልጠሎምን ዚነጽየሎምን ከኣ ኣይኪርከብን እዩ።

7. ብናይ እቲ ዝሞተ ንምጽንናዕ ኪኸውን ኢሎም፡ እንጌራ ሓዘንቲ ኣይኪቘርሱሎምን እዮም። ብናይ ኣቦን ኣደን መጸናንዒ ዚኸውን ብዋንጫ ዜስትዮም ኣይኪህሉን እዩ።

8-9. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፡ ብዘመንኩም ድምጺ እልልታን ድምጺ ሓጐስን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ኣብዚ ስፍራ እዚ ኸጥፍኦ እየ እሞ፡ ምሳታቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ኢልካ ናብታ ዚእከቡላ ቤት ኣይትእቶይብል አሎ።

10. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኲሉ እዚ ቓላት ነዚ ህዝቢ እዚ ምስ ነገርካዮ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኵሉ እዚ ዓብዪ መዓት ዚዛረበልና ዘሎ፧ እንታይ እዩ ኣበሳና፧ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ፧ እንተ በሉኻ

11. ንስኻውን ክትብሎም ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣቦታትኩም ስለ ዝሐደጉኒንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዐቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፡ ንኣይ ስለ ዝሐደጉኒሕገይ ድማ ስለ ዘይሐለው

12. ንስኻትኩምውን እንሆነፍሲ ወከፍኩም ምእንቲ ኸይትሰምዑኒብትሪ እኩይ ልብኹም እናተመላለስኩም፡ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ጌርኩም ኢኹም እሞ፡

13. ስለዚ ኣነ ኻብ እዚ ሃገር እዚ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይክምሕረኩምን እየ እሞ፡ ኣብኡውን ለይትን መዓልትን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉ ኢኹም።

14. ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይበሀለሉ ዘመን

15. ግናኸ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጒዎም ዝነበረ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

16. ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ኣነ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ ኺገፍዎም ክሰደሎም እየ። ብድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ሃደንቲ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ዂድዂዶታትን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኪሀድንዎም ክሰድድ እየ።

17. ኣዒንተይ ኣብ ኲሉ መገድታቶም ይጥምታ ኣለዋ እሞ፡ ካብ ቅድመይ ኪሕብኡ ኣይከኣሎምን፡ ኣበሳኦም ከኣ ካብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።

18. ንሃገረይ ብሬሳታት ጣኦታቶም ኣርኪሶምዋንርስተይውን ብጽያፎም መሊኦምዋ እዮም እሞ፡ ቅድምሲ መስጣ እቲ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።

19. ኣታ ጐይታይሓይለይእምባይብመዓልቲ ጸበባውን ገዳመይህዝብታት ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ኣቦታትናስ ሓሶትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዜብሎምን ጥራይ እዮም ዝወረሱኪብሉ እዮም።

20. ሰብዶ ኣማልኽቲ ንርሱ ይገብር እዩ፧ ግናኸ ንሳቶምሲ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።

21. ስለዚ እንሆ፡ ከፍልጦም እየ፡ በዚ ጊዜ እዚ ኢደይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፡ ስመይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም።