1. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእከል ጸላእተይ ዚነብሩን ዜጥፍእ ንፋስ ከተንስእ እየ።

2. ንባቢሎን ዚምስእይዋንሃገራ ኸኣ ዜባድምዋ ጓኖት ክሰደላ እየ። በታ መዓልቲ መዓት ከኣ ብዂሉ ወገን ኪወርዋ እዮም።

3. እቲ ወርዋሪ ነቲ ቐስቲ ዚግትርን ነቲ ብድርዒ ዜጓብብን ቀስቱ ይገትረሎም። ነቶም ኣጒባዛ ድማ ኣይትንሓፍዎም፡ ንዂሉ ጭፍራኣ ብጥራስ ኣጥፍእዎ

4. ኣብ ሃገር ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡ ኣብ ኣደባባያታ ድማ ውጉኣት ኪወድቁ እዮም።

5. ምንም እኳ ሃገሮም በቲ ንናይ እስራኤል ቅዱስ ዝበደልዎ በደል እንተ መልኤት፡ እስራኤል ወይስ ይሁዳ ብእግዚኣብሄር፡ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾምመበለት ኣይኰኑ።

6. ብሰሪ ዓመጻኣ ኸይትጠፍኡስ፡ ካብ ባቢሎን ህደሙነፍሲ ወከፍ ነፍሱ የድሕን። እዚ እቲ ጊዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝገበረቶ ኺፈድያ እዩ።

7. ባቢሎን ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ንብዘላ ምድሪ እተስክር ጽዋእ ወርቂ ነበረት፡ ህዝብታት ካብ ወይና ሰተዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣህዛብ ዐበዱ

8. ባቢሎን ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረትብኸዩላ፡ ምናልባሽ እንተ ሐወየት ከኣ፡ ነቲ ቓንዛኣ ፈውሲ ኣምጽኡላ

9. ፍርዲ ኽሳዕ ሰማይ በጽሑ፡ ክሳዕ ደበናውን ደዪቡ እዩ እሞ፡ ንባቢሎን ክነሕውያ ደሌናግናኸ ኣይሐወየትንሕደግዋ፡ ንዑናይ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሃገርና ንኺድ

10. እግዚኣብሄር ንጽድቅና ኣውጺኡልና እዩ፡ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ጽዮን ነውርዩ

11. እግዚኣብሄር ሓሳቡ ንባቢሎን ኬጥፍእ ስለ ዝዀነ፡ ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዐሎ። እዚውን ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ሕነ መቕደሱ እዩ እሞ፡ ፍላጻታት ኣብልሑዋላቱ ሐዙ

12. እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ እተናገሮ ኸምቲ ዝሐሰቦ ይፍጽሞ አሎ እሞ፡ ኣብቲ መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉዘብዔኛታት ኣበርትዑሓለውቲ ኣቑሙኣድቢኹም ተዳለዉ

13. ኣቲ ብመዛግባት ዝማዕበልኪ፡ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘሎኺ፡ መወዳእታኺእቲ መስፈር ስስዔኺ በጺሑ እዩ።

14. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ብርግጽ ከም ብኣንበጣ ብሰብ ክመልኣኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪጭድሩልኪ እዮም፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ

15. ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማበእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ

16. ድምጺ ምስ ዜስምዕኣብ ሰማይ ማያት ይሀምምንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ

17. ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድእቲ ዝፈሰሰ ምስኡ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እዩ እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ

18. ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዩም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም።

19. ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝፈጠረ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።

20. ንስኺ ሞደወይን ኣጻዋር ውግኤይን ኢኺ። ብኣኺ ህዝብታት ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ መንግስትታት ከጥፍእ እየ።

21. ብኣኺ ፈረስን ፈረሰኛን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዚቕመጥን ክጭፍልቕ እየ።

22. ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ኣረጊትን ቈልዓን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክጭፍልቕ እየ።

23. ብኣኺ ጓሳን መጓሲኡን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ሓረስታይን ጽምዲ ኣብዑሩን ክጭፍልቕ፡ ብኣኺ ምስለኔታትን መኳንንትን ክጭፍልቕ እየ።

24. ኣነ ኸኣ ንባቢሎንን ንዂሎም እቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዚነብሩን ኲሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ንጽዮን ዝገበርዋ እከይ ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

25. ኣታ ንዂላ ምድሪ እተጥፍእ ከረን ጥፍኣት፡ እንሆ፡ ናባኻ እየ፡ ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካዝሐረረ ኸረንውን ክገብረካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

26. ንሓዋሩ በረኻ ኽትከውን ኢኻ እምበር፡ ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይስ እምኒ መሰረት ዚወስድ የልቦንይብል እግዚኣብሄር

27. ሰንደቕ ዕላማ ኣብታ ሃገር ትኸሉ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት መለኸት ንፍሑ፡ ህዝብታት ንውግእ ኣዳልዉላመንግስትታት ኣራራትን ሚናን ኣሽከናዝን ኣኽትቱላመኳንንቲ ሽሙላጸጓራት ኣንበጣ ዚመስሉ ኣፍራስ ኣደይቡላ

28. ህዝብታትን ነገስታት ሜዶንን ምስለኔታትን ኲላቶም መኳንንታን ኲላ እታ ሃገር ግዝኣታን ንውግእ ኣዳልዉላ

29. እቲ፡ እግዚኣብሄር ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ በረኻ ኺገብራ ኢሉ፡ ንባቢሎን ዝኣመመላ ሓሳብ ይፍጸም አሎ እሞ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥን ራዕራዕ ትብልን አላ።

30. ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሐዲጎም፡ ኣብ ዕርድታቶም ይቕመጡ አለዉ፡ ሓይሎም ጠፊኡ ኸም ኣንስቲ ዀኑ። ኣባይታ ብሓዊ ነደደመሸጐሪኣ ተሰብረ

31. ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዂሉ ወገን ከም እተታሕዘት ኬውርየሉስ፡ እቲ ሓደ ጐያዪ ነቲ ሓደ የዃልሞ፡ እቲ ሓደ ልኡኽ ከኣ ነቲ ሓደ ልኡኽ የዃልሞ አሎ።

32. መሳጋገሪታት ተታሒዙሻምብቆ ኸኣ ነዲዱ፡ እቶም ተዋጋእቲውን ሰምቢዶም አለዉ።

33. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እታ ጓል ባቢሎን ከም ኣብቲ ወርሓት ዜኺዱሉ ዓውዲ እያ፡ ቅሩብ ጸኒሑ ኸኣ ጊዜ ቐውዒ ኺመጻ እዩ።

34. ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን በልዓኒጨፍለቐኒ ባዶ ኣቕሓ ገበረኒ፡ ከም ገበል ወሐጠኒ፡ በቲ ጠጥዑመይ ከብዱ መልኤ ሰጐጐኒውን

35. እታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘላ፡ ንኣይን ንስጋይን እተገብረ ግፍዒ ናብ ባቢሎን ይውረድ፡ ትበልየሩሳሌም ከኣ፡ ደመይ ናብቶም ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዚነብሩ ዘለዉ ይውረድ፡ ትበል።

36. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽጣበቐልኪሕኔኺ ድማ ክፈድየልኪ እየ። ንባሕሪ ኸንጽፎንዔላታት ኸኣ ከንቅጾ እየ።

37. ባቢሎን ድማ ኲምራ እምንን መሳፍሮ ወኻሩንሓደ እኳ ዚነብረላ ዜብላ መሰክሕን መላገጽን ክትከውን እያ።

38. ሐቢሮም ከም ኣናብስ ኪጓዝሙ፡ ከም ኰራኲር ኣናብስ ከኣ ሕኒን ኪብሉ እዮም።

39. ምስ ተራሰኑመስተ ከቕርበሎም እየ፡ ኪሕጐሱን ንሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱን ከቶውን ከይነቕሑንሲከስክሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

40. ከም ዕያውትን ከም ደዓውልን ድቤላታትን ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።

41. ሼሻኽ ከመይ ኢላ ተታሕዘት፡ እዛ ውዳሰ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላ ተሳዕረትባቢሎን ከመይ ኢላ ኣብ ማእከል ህዝብታት መስደመሚ ዀነት።

42. ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፡ ንሳ ብምብርታዕ ማዕበሉ ተኸድነት

43. ከተማታታ ኸኣ ምድሪ በዳን ንቑጽ ምድርን በረኻንሓደ እኳ ዘይነብረላወሉድ ሰብውን ብእኣ ዘይሐልፍ ሃገርን ኰነት።

44. ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐጽዖ፡ ነቲ ዝወሐጦ ድማ ካብ ኣፉ ኸውጽኦ እየ። ድሕርዚ ድማ ህዝብታት ኣብኣ ኣቢሎም ኣይኪውሕዙን እዮም። ቀጽሪ ባቢሎንውን ይወድቕ

45. ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ወጹ። ካብቲ ጒሁር ቊጥዓ እግዚኣብሄር ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ነፍሱ የድሕን

46. በዚ ዓመት እዚ ሓደ ወረ ኺውረ፡ በቲ ዳሕራይ ዓመት ድማ ካልእ ወረ ኺውረ፡ ኣብ ሃገር ከኣ ዓመጻ ኺስልጥን፡ ገዛኢውን ኣብ ገዛኢ ኺለዐል እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይምለቚ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዚስማዕ ወረ ኸኣ ኣይትፍርሁ

47. ስለዚ፡ እንሆ፡ ነቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዝቐጽዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ኲሉ ሃገራ ኸኣ ኪሐፍር እዩ፡ ኲላቶም ቅቱላቱውን ኣብ ማእከል ኺወድቁ እዮም።

48. እቶም መጥፋእቲ ካብ ሰሜን ኪመጽዋ እዮም እሞ፡ ሰማይን ምድርን ኣብኦም ዘሎ ዂሉን ብዛዕባ ባቢሎን እልል ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

49. ከምዚ ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ዘውደቐቶም፡ ከምኡውን ቅቱላት ኲላ ምድሪ ኣብ ባቢሎን ኪወድቁ እዮም።

50. ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱጠጠው ኣይትበሉ፡ ካብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩንየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ

51. ጸርፊ ሰማዕና እሞ፡ ሐነኽናጓኖት ኣብቲ ቅዱስ ስፍራታት ቤት እግዚኣብሄር መጺኦም እዮም እሞ፡ ነውሪ ንገጽና ኣጐልበቦ

52. ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ነተን ቅሩጽ ምስልታታ ዝቐጽዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ እቶም ንሞት ዜዋልኡ ውጉኣት ከኣ ኣብ ኲሉ ሃገራ ኺበኽዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

53. ባቢሎን ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ደየበትሓይላ ኸኣ ኣብ ላዕሊ እኳ እንተ ኣጽንዔትመጥፋእቲ ኻባይ ኪመጽዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

54. ጭድርታ ኻብ ባቢሎንዓብዪ ምፍራስ ካብ ሃገር ከለዳውያን ይስማዕ አሎ።

55. እግዚኣብሄር ንባቢሎን የዕንዋ፡ ነቲ ብርቱዕ ደሃይ ድማ ካብኣ የጥፍኦ አሎ እሞ፡ ማዕበሎም ከም ብዙሕ ማያት ይሀምምጭራሕምራሖም ከኣ ይስማዕ አሎ።

56. እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣምላኽ ምፍዳይብርግጽ መስጣ ዚህብ እዩ እሞ፡ ኣብአ ናብ ባቢሎን መጥፍኢ መጺኡጀጋኑኣ ተታሒዞምቀስትታቶም ተሰባቢሩ እዩ።

57. ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጠቢባናንንምስለኔታታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣንሲ ንሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱን ከቶውም ከይነቕሑን ከስክሮም እየ፡ ይብል እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ

58. እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ኪፈርስእቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኺዐዩኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኺደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

59. እቲ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ። ሰራያ ኸኣ ሓለቓ ዝፋን ቤት ነበረ።

60. ኤርምያስ ከኣ ንዂሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዚወርድ መዓት፡ ማለት ኲለን እተን ብዛዕባ ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት ኣብ ሓደ መጽሓፍ ጸሐፈን

61. ኤርምያስ ድማ ንሰራያ በሎ፡ ኣብ ባቢሎን ምስ ኣቶኻ፡ ኲለን እዘን ቃላት ከተንብበን መዝኻ እዩ፡

62. በልውንዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፡ ሰብ ወይስ እንስሳሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትኸውን ኢልካ ተዛረብካ

63. ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካያእምኒ እሰረላ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ እሞ፡

64. ከምዚ ዀይና ባቢሎን በቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት ክትሰጥም፡ መሊሳውን ኣይክትትንስእን እያ፡ ኪደኽሙ ድማ እዮም፡ ኢልካ ተዛረብ። ክሳዕ እዚ ቓላት ኤርምያስ እዩ።