1. ኰነ ድማ፡ ኤርምያስ ንዂሉ እዚ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ናባታቶም ዝለኣኾ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ዂለን እተን ቃላት ምንጋር ምስ ወድኤ

2-3. ሽዑ ኣዛርያ ወዲ ሆሻዕያን ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርምያስ፡ ኣታ፡ ሓሶት ተዛረብካበሩኽ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክንውፈን ንሳቶም ኪቐትሉናን ናብ ባቢሎን ኪማርኹናን ኢሉ ኣባና ዜነድረካ ዘሎ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ፡ ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብጺ ኣይትግዐዙ በሎም፡ ኢሉ ኣይለኣኸካንበልዎ

4. ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም ሓላቑ ሰራዊትን ኲሉ እቲ ህዝብን ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ ዚብሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝዎን

5. ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ኲሎም ሓላቑ ሰራዊትን ነቶም ካብ ኲሎም እቶም ተሰጒጎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ናብ ሃገር ይሁዳ ኪቕመጡ እተመልሱ ዂሎም ተረፍ ይሁዳ ምሳታቶም ወሰዱ

6. ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን ኲሎም እቶም ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ምስ ገዳልያወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋንዝሐደጎም ሰባትን ምሳታቶምውን ንነብዪ ኤርምያስን ንባሩኽ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።

7. ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣይሰምዑን እሞ፡ ናብ ግብጺ ገዐዙ፡ ክሳዕ ታህጳኔስ ከኣ በጽሑ

8. ሽዑ ኣብ ታህጳኔስ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ

9. ዓበይቲ ኣእማን ብኢድካ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ደገ ቤት ፈርኦን ኣብ ታህጳኔስ ዘላ ጭቃ ናይ እቶን ጡብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ሰብኡት ይሁዳ ሕብኣየን

10. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልከምዚ ይብል ኣሎውን በሎም፡ እንሆ፡ ኣነ ንጊልያይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምጽኦ እየ፡ ንዝፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሐባእክወን ኣእማን ከንብሮ እየ፡ ንሱ ኸኣ ድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊኤን ኪዝርግሕ እዩ።

11. ንሱ ኺመጽእንሃገር ግብጺ ኸኣ ኪወቕዓ እዩ እሞ ዚመውት ንሞትዚማረኽ ንምርኮ ዚስየፍ ንሰይፊ ኺውፈ እዩ።

12. ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ሓዊ ኽትኲስ እየ። ንሱ ኸኣ ኬንድደንን ኪማርኾምን እዩ፡ ጓሳ ብኽዳኑ ኸም ዚኽደንንሃገር ግብጺ ኪኽደናካብኣውን ብደሓን ኪወጽእ እዩ።

13. ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘሎ ኣዕኑድ ቤት-ሸመሽ ኪሰባብር፡ ነቲ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብጺውን ብሓዊ ኼንድዶ እዩ።