1. ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ አሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ፧ ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም

2. ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፡ ዐበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ኣብ ኣፎም ቀረባ ኢኻ፡ ካብ ኰላሊቶም ግና ርሑቕ ኢኻ።

3. ንስኻ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄርትፈልጠኒትርእየኒልበይ ከኣ ንኣኻ ኸመይ ምዃኑ ትምርምር ኢኻ። ከም ኣባጊዕ ንማሕረዲ ጓትቶምንመዓልቲ ማሕረዲውን ፍለዮም።

4. እታ ሃገር ክሳዕ መኣዝ ክትሐዝን፧ ክሳዕ መኣዝከ ሳዕሪ ዂሉ መሮር ኪነቅጽ እዮ፧ ንሳቶም፡ መወዳእታና ኣይኪርእን እዩ፡ ስለ ዝበሉ፡ ብሰሪ እከይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩስ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለው።

5. ምስ ኣጋር ተቓዳዲምካ ኻብ ዜድክሙኻ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ፧ ኣብ ሃገር ሰላም እንተ ተኣመንካ፡ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

6. እንሆ፡ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ ጠሊሞሙኻ እዮም። ኣፎም መሊኦም ድማ ደድሕሬኻ ይጥድሩ ኣለው። ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውንኣይትእመኖም

7. ቤተይ ሐደግኩርስተይ ለቐቕኩ፡ ነቲ ነፍሰይ እትብህጎስ ኣብ ኢድ ጸላእታ ወፌኹ

8. ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀነኒ፡ ጓዚሙለይ እዩ እሞ፡ ጸላእክዎ

9. ርስተይዶ ዓንጥዓንጦራይ ሽላ ምዀነኒ፧ ጋባት ኣብ ኲሉ ወገን ዙርያኡ አለዉ። ኪዱ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ኪበልዑ ኣኪብኩም ኣምጽእዎም

10. ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣባላሸውዋ፡ ንግደይ ረገጽዋ፡ ነታ ጽብቕቲ ግደይውን ዝጸመወ ምድረ በዳ ገበርዋ

11. ኣባደምዋ፡ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሐዝን አላ። ሓደ እኳ ኣብ ልቡ ዜስተዋድዮ ስለ እተሳእነ፡ እታ ሃገር ብዘላ ባደመት

12. ኣብ ኲሉ ዂርባታት ምድረ በዳ ወረርቲ ተፈነዉሰይፊ እግዚኣብሄር ካብቲ ሓደ ወሰን እታ ሃገር ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰና ይጐምድ አሎ እሞ፡ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ሰላም የልቦን።

13. ስርናይ ዘርኡእሾዂ ከኣ ዐጸዱጸዐሩ ጥቕሚውን ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብእትዋት ቀውዕኹም ክትሐንኩ ኢኹም።

14. እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ነቲ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስቴኽዎ ርስቲ ዚነኽኡ ዂሎም ክፉኣት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ካብ ሃገሮም ክምንቊሶምንቤት ይሁዳ ድማ ካብ ማእከሎም ክምንቊሳ እየ።

15. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ መንቈስክዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክድንግጸሎም እየ እሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ረርስቱንነፍሲ ወከፍ ናብ ሀሃገሩ ኽመልሶ እየ።

16. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሀርዎም፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ኪምሕሉስ መገድታት ህዝበይ እንተ ተማህሩ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኪሀንጹ እዮም።

17. ግናኸ እንተ ዘይሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምንቊሶ፡ ኣነ ኽምንቊሶን ከጽንቶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር