1. እቲ ኣብ መበል ዓስረይቲ ዓመት ግዝኣቱ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳንነቡካስነጻር ከኣ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ግዝኣቱ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጾ ቓል እዚ እዩ።

2. ሽዑ ድማ ጭፍራ ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፡ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ ወገፊኡ ተኣሲሩ ነበረ።

3. ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኣሲርዎ ነበረ፡ ስለምንታይ ተነቤኻን በልካንእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ንጉስባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ፡

4. ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኪወሀብ እዩ፡ ኣፍ ንኣፍ ኪዛረቦ እዩ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዓይኑ ኺርእያ እየን እምበር፡ ካብ ኢድ ከለዳውያን ኣይኬምልጥን እዩ።

5. ንጼድቅያስ ድማ ናብ ባቢሎን ኪማርኾ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኺጸንሕ እዩ፡ ምስ ከለዳውያን እንተ ተዋጋእኩም ኣይኪቐንዐኩምን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

6. ኤርምያስ ከኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ በለ

7. እንሆ፡ ሃናምኤል ወዲ ሻሉም ሓዉ ኣቦኻ፡ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይመሰል ምብጃው አሎካ እሞ፡ ተሻየጣኪብለካ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።

8. ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ድማ ከም ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ መጺኡ ነታ ኣብ ኣናኖት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ኰታ ተሻየጣመሰል ርስቲ አሎካ፡ ምብጃው ድማ ግቡእካ እዩ እሞ፡ ንኣኻ ተሻየጣበለኒ። ሽዑ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ምዃኑ ኣስተውዐልኩ

9. ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከኣ ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ተሻየጥክዋ እሞ ነቲ ገንዘብ ዓሰርተው ሾብዓተ ሲቃል ብሩር መዘንኩሉ

10. ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ

11. ነታ መጽሓፍ መሸጣ፡ ነታ ኸም ሕግን ውዑልን ኰይና እተሐትመትን ነታ እተቐልዔትን ወሲደ

12. እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽወዲ ኔርያ ወዲ ማህስያኣብ ቅድሚ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን ናብ ቅድሚ እቶም ኣብ መጽሓፍ መሸጣ እተጻሕፉ ምስክርን ኣብ ቅድሚ ዂሎም እቶም ኣብ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሀብክዎ

13-15. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣኣ ኣባይትን ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ኪሻየጡ እዮም፡ ይብል አሎ እሞ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እዘን ጽሑፋት እዚኤን፡ እታ ሕትምቲ መጽሓፍ መሸጣን እታ ቕልዕቲ መጽሓፍን ወሲድካብዙሕ መዓልትታት ምእንቲ ኺዕቈርሲ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣይብል አሎ፡ ኣንብሮ፡ ኢለ ንባሩኽ ኣብ ቅድሚኦም አዘዝክዎ

16. እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ምስ ሀብክዎ ኸኣ፡ ከምዚ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ

17. እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ሰማይን ምድርን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የልቦን

18. ነእላፋት ምሕረት እትገብርኣበሳ ኣቦታት ድማ ብድሕሪኦም ናብ ሕቚፊ ውሉዶም እትመልስ ኢኻ። ዓብዪ ስልጡን ኣምላኽስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።

19. ንስኻ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዶምን ከከም ፍረ ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦምብምኽሪ ዓብዪ ብግብሪ ኸኣ ስልጡን ኢኻ። ኣዒንትኻ ድማ ኣብ ኲለን መገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን።

20. ንስኻ ትእምርትን መንክራትን ኣብ ሃገር ግብጽን ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ሰብን ገበርካከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ኣስሜኻ

21. ንዝህብኻ እስራኤል ብትእምርትን መንክራትን ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ብዓብዪ ረዓድን ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጻእካዮ

22. እታ ጸባን መዓርን እተውሕዝነቦታቶም ክትህባ ዝመሐልካሎም ሃገር ከኣ ሀብካዮም

23. ንሳቶም ድማ አተዉ ሐዝዋ ኸኣ፡ ግናኸ ንድምጽኻ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ኺገብርዎ ዝአዘዝካዮም ኲሉ ኣይገብርዎን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዂሉ መዓት እዚ ኣውረድካሎም

24. እንሆ ነታ ኸተማ ኺሕዝዋ መፍረስ ዕርዲ ናባኣ ቐረበ። እታ ኸተማ ኸኣ ብሰሪ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ኣብ ኢድ እቶም ዚዋግእዋ ከለዳውያን ተዋህበት። እቲ ዝበልካዮ ዀነ፡ እንሆ ድማ፡ ትርእዮ አሎኻ።

25. ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ተዋሂባ ኸላስ፡ ንስኻ፡ ግራት ብገንዘብ ተሻየጥ ምስክር ከኣ ሐዘሉበልካኒ

26-27. ሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ አሎ እዩ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።

28. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻርን ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ።

29. እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዚወግኡ ከለዳውያን ከኣ ኪመጹ፡ ነታ ኸተማ ድማ ኪትኲስዋ እዮም፡ ምስ ናይ እተን ኣብ ዝባን ኣናሕሰንኬቘጥዑኒ ኢሎም፡ ንበዓል ዝዐጠኑለንንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዐዉለን ኣባይቲ ኼንድድዋ እዮም።

30. ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝዀነ ጥራይ ገበሩ እሞ፡ ደቂ እስራኤልሲ ብተግባር ኢዶም ኲሉ ጊዜ ኣቘጥዑኒይብል እግዚኣብሄር

31-32. እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብታ እተሰርሓትላ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ብሰሪ እቲ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ምስ ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩንኬቘጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ እከይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ከርሕቓስቊጥዓይን ነድረይን ኣለዓዐትለይ።

33. እንግድዓኦም እምበር፡ ገጾም ኣይመለሱለይንኣንጊሄ እንተ መሀርክዎም፡ ምንም እኳ እንተ መሀርክዎምተግሳጽ ንምቕባል ኣይሰምዑን

34. ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክዋስጽያፎም ኣብኣ ኣንበሩ

35. ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ንሞሌኽ ብሓዊ ኼሕልፍዎም፡ ነቲ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ በረኽቲ በዓል ሰርሑንይሁዳ ኼሕጥኡ፡ ከምዚ ዘመሰለ ጽያፍ ኪገብሩ ኢለ፡ ኣነ ኣይአዘዝክዎን ከቶ ኣየስተንተንክዎን

36. ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እዛ ንስኻትኩም፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ተወፍያ፡ እትብልዋ ዘሎኹም ከተማስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡

37. እንሆ፡ ካብቲ ብዂራይን ብቚጥዓይን ብዓብዪ ነድርን ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ሃገር ክእክቦም እየ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ክመልሶምብደሓንውን ከንብሮም እየ።

38. ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

39. ብደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ኪኸውንሲ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒሓደ ልብን ሓደ መገድን ክህቦም እየ።

40. ንኣታቶም ሰናይ ካን ምግባር ከይዘሐጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክአትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ።

41. ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎም እዩ። ብዂሉ ልበይን ብዂሉ ነፍሰይን ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።

42. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ከምቲ ዂሉ እዚ ዓብዪ ሕሰም ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘውረድክዎ፡ ከምኡ ድማ ኲሉ እቲ ዘተስፈኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ።

43. ኣብታ ንስኻትኩም፡ ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላንከለዳውያን እተዋህበት ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር፡ ኣብኣ ግርሁ ኺሻየጡ እዮም።

44. ኣነ ንምሩኻቶም ከምልሰሎም እየ እሞ፡ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ደቡብን ግርሁ ብገንዘብ ኪሽየጥ እዩ፡ ናይ መሸጣ ውዑል ከኣ ኣብ ቅድሚ ምስክር ተጽሒፉ ኺሕተም እዩ።