1. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡

2. ዚጥቕለል መጽሓፍ ውሰድ እሞ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዂላቶም ህዝብታትን ካብቲ እተዛረብኩኻ መዓልቲ፡ ካብ ዘመን ዮስያስ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዂሉ ቓላት ኣብኡ ጽሐፎ

3. ምናልባሽ ቤት ይሁዳ ነቲ ናባታቶም ከውርዶ ሐሲበዮ ዘሎኹ ዂሉ ኽፉእ ምስ ሰምዑነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መገዱ እንተ ተመልሰ፡ ኣነ ኸኣ ኣበሳኦምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ።

4. ሽዑ ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ጸውዔባሩኽ ድማ ነቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረሉ ዂሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ ዚጥቕለል መጽሓፍ ጸሐፎ

5. ኤርምያስ ድማ ንባሩኽ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ ኣነ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይኸይድ ተኸልኪለ አሎኹ፡

6. ስለዚ ንስኻ ናብኣ ኺድ እሞ ነቲ ኻብኣፈይ ናብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝጸሐፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ጾም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ካብ ከከተማኦም ዝመጹ ዂላቶም ይሁዳ ኣንብበሎም

7. እቲ እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ተዛሪብዎ ዘሎ ዂራን ቊጥዓን ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምናልባሽ ናብ እግዚኣብሄር ይምህለሉነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱ ይምለስ ይኸውን።

8. ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝኣዘዞ ዂሉ ገበረ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ካብቲ መጽሓፍ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ኣንበቦ

9. ኰነ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ ዓመቱ ንዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ታስዐይቲ ወርሒ ንዂሉ እቲ ህዝቢ የሩሳሌምን ንዂሉ እቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ዝነበረ ህዝብን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጾም ኪጾሙ ተኣወጀ

10. ባሩኽ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ኽፍሊ ቤት ገማርያወዲ ሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብቲ ላዕላይ ኣጸድ በቲ ኣፍ ሓድሽ ደገ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ኰይኑ፡ ነቲ ቓላት ኤርምያስ ካብቲ መጽሓፍ ኣብ እዝኒ ዂሉ ህዝቢ ኣንበቦ

11. ሚካያወዲ ገማርያ ወዲ ሻፋን፡ ካብቲ መጽሓፍ ኲሉ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔ

12. ናብቲ ኽፍሊ ቤት ጸሓፊ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ወረደ። እንሆ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም መሳፍንቲ ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፍን ደላያ ወዲ ሸማዕያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሻፋንን ጼድቅያስ ወዲ ሃናንያን ኲላቶም መሳፍንትን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ።

13. ሚካያ ኸኣ ነቲ፡ ባሩኽ ካብቲ መጽሓፍ ኣብ እዝኒ ዂሉ ህዝቢ ኼንብቦ ኸሎ፡ ዝሰምዖ ዂሉ ቓላት ንኣታቶም ነገሮም

14. ኲሎም እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ንይሁዲ ወዲ ንታንያ፡ ወዲ ሸልምያ፡ ወዲ ኩሸ፡ ናብ ባሩኽ፡ ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ እትጥቕለል መጽሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምጻእኢሎም ለአኹሉባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ እትጥቕለል መጽሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናባታቶም መጸ

15. ንሳቶም ድማ፡ ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልናበልዎበሩኽውን ኣብ እዝኖም ኣንበበሎም

16. ኰነ ድማ፡ ኲሉ እቲ ቓላት ምስ ሰምዑሰምቢዶም ንሓድሕዶም ቊሊሕ ተባሃሂሎም ንባሩኽ፡ ኲሉ እዚ ዘረባ እዚ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ፡ በልዎ

17. ንባሩኽ ከኣ፡ እስኪ ንገረና፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዂሉ እዚ ቓላት እዚ ኻብ ኣፉ ዝጸሐፍካዮኢሎም ሐተትዎ

18. ባሩኽ ከኣ፡ እዚ ዂሉ ቓላት እዚ ብኣፉ ነገረኒ፡ ኣነውን ብቐለም ኣብ መጽሓፍ ጸሐፍክዎ፡ ኢሉ ነገሮም

19. ሽዑ እቶም መሳፍንቲ ንባሩኽኪድ ንስኻ ምስ ኤርምያስ ተሐባእኣበይ ከም ዘሎኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥበልዎ

20. ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊወማዕ እቲ ጸሓፊ ኣንቢሮም፡ ናብ ንጉስ ኣብቲ ገበላ ኣተዉ እሞ ኲለን እተን ቃላት እቲኤን ኣብ እዝኒ ንጉስ ተዛረብወን

21. እቲ ንጉስ ከኣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኬምጽእንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ወሰዳይሁዲ ኸኣ ኣብ እዝኒ ንጉስን ኣብ እዝኒ ዂሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቈይሞም ዝገበሩ መሳፍንትን ኣንበባ

22. ታስዓይ ወርሒ ዀይኑ፡ እቲ ንጉስ ኣብቲ ኣዳራሽ ክረምቲ ተቐሚጡ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ እቲ ምድጃ ሓዊ ተኣጒድዎ ነበረ።

23. ኰነ ኸኣ፡ ይሁዲ ሰለስተ ወይስ ኣርባዕተ ዓንዲ ምስ ኣንበባብኻራ ጽሓፊ እናቐደደ፡ ኣብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ፡ እታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ድማ ብዘላ ኣብቲ ምድጃ ሓዊ ሞዂ በለት።

24. እቶም ንዂለን እዘን ቃላት እዚኤን ዝሰምዑ ንጉስን ባሮቱን ኣይሰምበዱን ክዳውንቶምውን ኣይቀደዱን

25. ምንም እኳ ኤልናታንን ደላያን ገማርያን ንንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ ሊሚኖምዎ ኽነሶም፡ ኣይሰምዖምን

26. እቲ ንጉስ ድማ ንባሩኽ እቲ ጸሓፍን ንኤርምያስ እቲ ነብይን ኪሕዙስ ንይርሕሚኤል ወዲ ንጉስን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሸልምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ሰወሮም

27. እቲ ንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍን ነተን ባሩኽ ካብ ኣፍ ኤርምያስ ዝጸሐፈን ቃላትን ናብ ሓዊ ምስ ኣንደደን፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡

28. ከም ብሓድሽ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ውሰድ እሞ ነተን ኣብታ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበረ ዂለን ቀደም ቃላት ኣብኣ ጽሐፈን

29. ብዛዕባ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ክትብል ኢኻ፡ ንስኻ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ብርግጽ ኪመጽእ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ኬጥፍኣ፡ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ኬጽንት እዩ፡ ኢልካ ዝጸሐፍካስ ስለምንታይ ኢኻ፧ እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብሓዊ ኣንደድካያ

30. ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ከምዚ ይብል አሎ፡ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ ኣይኪረክብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩርለይቲ ኣብ ቊሪ ኺድርበ እዩ።

31. ንእኡን ንዘርኡን ንባሮቱን ብሰሪ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እዩ። ምስማዕ ኣብዮም እዮም እሞ፡ ኣባታቶምን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዘለውን ኣብ ሰብ ይሁዳን ኲሉ እቲ እተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ።

32. ሽዑ ኤርምያስ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲዱ ንባሩኽወዲ ኔርያ እቲ ጸሓፊ፡ ሀቦ። ንሱውን ነተን ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሓዊ ዘንደደን ኲላተን ቃላት እታ መጽሓፍ ካብ ኣፍ ኤርምያስ ኣብኣ ጸሐፈን። ካልእውን ንእኤን ዚመስል ብዙሕ ቃላት ተወሰኾ