1. ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ብብልሒ ኣልማዝ ጽሑፍ እዩ፡ ኣብ ጽላት ልቦምን ኣብ ቀርኒ መሰውኢታትኩምን ከኣ ውቑር እዩ።

2. ከምቶም ንደቆም ዚዝክሩ፡ ከምኡ ኸኣ ንመሰውኢታትን ኣስታርቴታትን ኣብ ዝለምዔ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኹ ዂርባታትን ይዝክሩ ኣለው።

3. ኣቲ ኣብ መሮር ዘሎኺ ኸረነይ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ኲሉ ዶባትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት ንሃብትኽን ንዂሉ መዛግብትኽን ነቲ በረኽቲ ዂርባታትክን ንዘመተ ኽምጥዎ እየ።

4. ንሓዊ ቚጥዓይ ኣቃሊልኩምዎንሲ፡ ንሓዋሩ ኺነድድ እዩ እሞ፡ ብሰሪ በደልኪ ነቲ ሂበኪ ዝነበርኩ ርስቲ ኽትለቅዮ ኢኺ፡ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእትኺ ኸግዝኣኪ እየ።

5. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ሰብ ዚውከልቅልጽሙ ኸኣ ኣብ ስጋ ዚገብርብልቡውን ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ።

6. ንሱ ኸም ንቑጽ ቈጥቋጥ ኣብ በረኻ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ፡ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብቲ ሓደ እኳ ዘይነበሮ ምድሪ ጨው ይነብር እምበር፡ ጥዑም ምስ መጸስኣይርእዮን

7. ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከልትጽቢቱ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ዚገብር ሰብ ብሩኽ እዩ።

8. ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለትሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸኣይትፈርህንቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን

9. ልቢ ኻብ ኲሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ

10. ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦንልቢ እምርምሮንዀላሊት ከኣ እፍትኖ

11. እቲ ብዘይ ቅንዕና ሃብቲ ዚእክብ ከምታ ንዘይወለደቶ እንቋቚሖ እትሐቊፍ ቆቛሕ እዩ። ኣብ ፈረቓ ዕድሚኡ ይሐድጎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ዓሻ ይኸውን

12. እቲ ኻብ ጥንቲ ልዕል ዝበለ ዝፋን ግርማስ ስፍራ መቕደስና እዩ።

13. ዎ እግዚኣብሄርትጽቢት እስራኤል፡ እቶም ዚሐድጉኻ ዘበሉ ኺሐንኩ እዮም። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ህያው ዓይኒ ማይ፡ ስለ ዝሐደጉ፡ እቶም ካባኻ ዚርሕቁ ኣብ ሓመድ ኪጽሐፉ እዮም።

14. ዎ እግዚኣብሄርውዳሰይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ኣሕውየኒክሐዊ ድማ እየ፡ ኣድሕነኒክድሕንውን እየ።

15. እንሆ፡ ንሳቶም፡ ኣበይ አሎ ቓል እግዚኣብሄርይምጻእ ሕጂይ፡ ይብሉኒ ኣለው።

16. ኣነስ እናሰዐብኩኻ ጓሳ ምዃን ኣይኣቤኹንመዓልቲ መከራ ኣይደሌኹን፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፡ ከናፍረይ እተዛረባኦ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እዩ።

17. ብመዓልቲ ጸበባስ ጸግዔይ ንስኻ ኢኻ፡ ስምባድ ኣይትዂነኒ።

18. እቶም ሰጐጒተይ ይሕነኹ፡ ኣነ ኣይሕነኽ፡ ንሳቶም ይሰምብዱ፡ ኣነ ኣይሰምብድመዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎምካዕበት ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም

19. እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ኣብተን ነገስታት ይሁዳ ዚኣትውለንን ዚወጹለንን ደጌታት ደቂ ህዝብን ኣብ ኲለን ደጌታት የሩሳሌምን ኬድካ ቑም እሞ፡

20. ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኲላትኪም ይሁዳን፡ በዘን ደጌታት እዚኣተን እትኣትው፡ ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑበሎም

21. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነፍስኹም ሐልዉብመዓልቲ ሰንበት ጾር ኣይትጹሩብደጌታት የሩሳሌምውን ኣይተእትዉ

22. ገለ እኳ ጾር ካብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ። ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም ደኣ መዓልቲ ሰንበር ቀድሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትግበሩ

23. ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖምውን ጽን ናይበላን። ከይሰምዑን ከይግሰጹንሲ ክሳውዶም ደኣ ኣትረሩ።

24. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንስኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር ከይተእትዉ ጽን ኢልኩም እንተ ሰማዕኩምኒንመዓልቲ ሰንበትሲ ብእኣ ገለ ዕዮ ኸይዐየኹም እንተ ቐደስኩምዋ

25. ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጡ ነገስታትን መሳፍንትንብሰረገላታትን በፍራስንመሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ብደጌታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ኽትከውን እያ።

26. ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጋን ካብ ደቡብን ዚሐርርን ዚሕረድን ዚብላዕን መስዋእቲዕጣንውን ሒዞም ኪመጹ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ኬቕርቡ እዮም።

27. ግናኸ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱብመዓልቲ ሰንበት ገለ ጾር ከይትጾሩን ብደጌታት የሩሳሌም ከይተእትውን እንተ ዘይሰማዕኩንሚ፡ ሽዑ ኣነ ኣብ ደጌታት ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱ ኸኣ ንግምብታት የሩሳሌም ኪበልዖ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ።