1. ኣብ መጀመርታ መንግስቲ ዮኣቂምወዲ ይስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ኸምዚ ዚብል ቃል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡

2. እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒመእሰርን ኣርዑትን ንኣኻ ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ

3. ንእኡ ኸኣ ናብ ንጉስ ኤዶምን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶንን በቶም ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ልኡኻት ጌርካ ስደዶ

4. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢሎም ንጐይተቶም ኪነግርዎም ኣዝዞምንጐይተትኩም ከምዚ በልዎም

5. ኣነ እየ፡ በቲ ዓብዪ ስልጣነይን በታ ዝርግሕቲ ቕልጽመይን ገይረ፡ ንምድርን ነቶም ኣብ ዝባን ምድሪ ዚነብሩ ሰብን እንስሳን ዝገበርኩ፡ ቅኑዕ ኰይኑ ንዝተራእየኒ ድማ እየ ዝህባ

6. እምበኣርሲ ዂለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ኢድ ግዙኤይ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሂበየንእንስሳ መሮርውን ኪግዝእዎ ሂበዮ እየ።

7. ኲሎም ህዝብታት ከኣ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ኪግዝእዎ እዮም። እዚ ድማ፡ ጊዜ ሃገሩ ኽሳዕ ዚበጽሕ እዩ። ሽዑ ብዙሓት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ግዙእ ኪገብርዎ እዮም።

8. ኪኸውን ድማ እዩ። እቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእክሳዱ ኸኣ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ዘየብል ህዝብን መንግስትን፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣነ ብኢዱ ገይረ ኽሳዕ ዘጥፍኦብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክቐጽዖ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

9-10. ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ክትጠፍኡንሲ፡ ካብ ሃገርኩም ኬርሕቑኹም ኢሎም እዮም ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም፡ ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትኩምን ጠንቈልቲታትኩምን ሕልሚ ዚሐልሙልኩምን ዚፈልጡልኩምን ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም

11. ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሳዱ ለጠቕ ዜብልን ዚግዚኦን ህዝቢ ግና ኣብ ሃገሩ ኽሐድጎ እየ፡ ኪሐርሳን ኣብኣ ኺነብርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

12. ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ከም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ፡ ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ኣብሉንእኡን ንህዝቡን ከኣ ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፡ ኢለ ነገርክዎ

13. ስለምንታይ ኢኹም፡ ንስኻን ህዝብኻን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ንንጉስ ባቢሎን ዘይተገዝኤ ህዝቢ እተዛረቦ ዄንኩም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን እትሞቱ

14. እቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትሲ፡ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ

15. ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፡ ንስኻትኩምን እቶም ዚንበዩልኩም ነብያትን ድማ ክትጠፍኡስብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነ ኣይለአኽክዎምንይብል እግዚኣብሄር

16. ንኻህናትን ንዂሉ እዚ ህዝቢ እዝን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢለ ኸኣ ተዛረብኩ፡ እንሆ፡ እቲ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ሕጂ ብቕልጡፍ ካብ ባቢሎን ኪምለስ እዩ፡ ኢሎም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትኩምሲሓሶት እዩ ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ

17. ኣይትስምዕዎምብህይወት ክትነብሩስ፡ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ። ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ ትዖኑ

18. ነብያት እንተ ዀይኖም፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ደኣ ኣለልይዎምሲ፡ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይለምኑ

19-20. ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ንዂላቶም ጭዋታት ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ኪማርኾም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ባቢሎን ዘይወስዶ ኣዕኑድን ባሕርን መናብርን ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፉ ዘሎ ዂሉ ኣቓሑን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡

21. እምበኣርሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቓሑስ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡

22. ናብ ባቢሎን ኪውሰድ፡ ክሳዕ ኣነ ዝዝክሮ መዓልቲ ከኣ ኣብኡ ኽጸንሕ እዩ፡ ናብዚ ስፍራ እዚውን ከውጽኦን ክመልሶን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር