1. ብዛዕባ ሞኣብ። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ኔቦ ዖንያ እያ እሞ፡ ወይልኣ። ቂርያታይም ነወረት ተታሕዘትውን፡ እቲ እምባ ነወረን ፈረሰን።
2. ድሕርዚ ሓበን ሞኣብ የሎን። ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ንዑናይ ነጥፍኣያ። ኢሎም ኣብ ሄስቦን እኩይ ነገር ይፍሕሱላ አለዉ። ኣቲ መድሜን፡ ንስኺ ድማ ክትጠፍኢ ኢኺ፡ ሰይፊ ኺስዕበኪ እዩ።
3. ዋይዋይን ጥፍኣትን ብርቱዕ ምዕናውን ካብ ሆሮናይም ይስማዕ አሎ።
4. ሞኣብ ተደቚሰት፡ ደቃ ዋይወዮም ኣስምዑ።
5. ኣብ ቊልቁል ሆሮናይም ብናይ ምፍራስ ዜሸግር ጭንቂ ቚዝማ ይስማዕ አሎ እሞ፡ ኣብ ዓቐብ ሉሂት ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ አለዉ።
6. ህደሙ፡ ነፍስኹም ኣድሕኑ፡ ከም ገረብ ሑመር ኣብ በረኻ ኹኑ።
7. ብግብርኽን ብሃብትኽን ተኣሚንኪ ኢኺ እሞ፡ ስለዚ ንስኺ ድማ ክትተሐዚ ኢኺ፡ ኬሞሽን ካህናቱን መሳፍንቱን ከኣ ሐቢሮም ኪማረኹ እዮም።
8. ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይከተምልጥን እያ፡ እቲ መጥፍኢ ንዂለን ከተማታት ኪመጸን እዩ፡ እቲ ለሰ ኺጠፍእ፡ እቲ ጐልጐል ከኣ ኪበርስ እዩ።
9. ሞኣብ ነፊራ ኽትሀድምሲ፡ ኣኽናፍ ሀብዋ፡ ከተማታታ ኸኣ ዚነብረን ዜብለን ኰይነን ኪባድማ እየን።
10. እቲ ንዕዮ እግዚኣብሄር ዕሽሽ ኢሉ ዚገብሮ ርጉም ይኹን፡ ንሰይፊ ድማ ደም ከይዂዑ ዚገትእ ርጉም ይኹን።
11. ሞኣብ ካብ ንእሽቶኣ ጀሚራ ህድእቲ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ሓተልኣውን ዐረፈት፡ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸኣ ኣይተቐጥፈትን፡ ተማሪኻ ድማ ኣይከደትን፡ ስለዚ ጣዕማ ኣርነበት፡ መኣዛኣውን ኣይተለወጠን።
12-13. ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ዚቐድሕዋ ቐዳሕቲ ዝሰደላ ጊዜ ትመጽእ አላ፡ ሰራሙኣ ኼዕርቑ፡ ኣጋንኣ ድማ ኪሰባብሩ እዮም፡ ከምቲ ቤት እስራኤል በታ እተወከለታ ቤት-ኤል ዝሐፈረቶ፡ ሞኣብ ድማ ከምኡ ብኬሞሽ ክትሐፍር እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14. ንስኻትኩም፡ ኣብ ውግእ ጀጋኑን ሃጥራትን ኢና፡ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡
15. እቲ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ፡ ሞኣብ ፈረስት፡ ናብ ከተማታታ ወጹ፡ እቶም ሕሩያት ኣጒባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፡ ይብል አሎ።
16. መዓት ሞኣብ ኪመጽእ ቀሪቡ እዩ፡ ጸበብኣ ድማ ቀልጢፉ የሳጒም አሎ።
17. ኲላትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘሎኹም፡ ብኸዩሎኣ፡ ኲላትኩም፡ ስማ እትፈልጡ ኸኣ፡ እቲ ድልዱል በትርን እቲ ምልምል ዘንግንካ ኸመይ ኢሉ ተሰብረ፡ በሉ።
18. ኣቲ ኣብ ዲቦን እትነብሪ ዘሎኺ ጐርዞ፡ እቲ መጥፍኢ ሞኣብ ናባኺ ደዪቡ፡ ንዕርድታትኪ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ካብ ክብረትኪ ውረዲ፡ ኣብ ኣጻምእ ተቐመጢ፡
19. ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ ዘሎኺ፡ ኣብ መገዲ ደው በሊ ጠምቲ ኸኣ፡ ነቲ ዝሀደመን ነታ እተምልጥን፡ እንታይ ወሪዱ እዩ፧ ኢልኪ ድማ ሕተቲ።
20. ሞኣብ ተሳዒራ እያ እሞ፡ ነወረት፡ ኣእውዩ፡ ጨድሩ፡ ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።
21. ፍርዲ ኣብቲ ሃገር ጐልጐል፡ ኣብ ሆሎን፡ ኣብ የህጻ፡ ኣብ መፍዓት፡
22. ኣብ ዲቦን፡ ኣብ ኔቦ፡ ኣብ ቤት-ዲብላታይም፡
23. ኣብ ቂርያታይም፡ ኣብ ቤት-ጋሙል፡ ኣብ ቤት-ምዖን፡
24. ኣብ ቅርዮት፡ ኣብ ቦጽራ፡ ኣብ ዝረሐቓን ዝቐረባን ኲላተን ከተማታት ሞኣብን መጸ።
25. ቀርኒ ሞኣብ ተሰልዔ፡ ቅልጽሙ ተሰብረ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
26. ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡ ኣስክርዎ። ኣብ ትፉኡ ጠንቀላዕላዕ ይበል፡ መላገጺውን ይኹን።
27. እስራኤልዶ መላገጺ ዀይኑልካ ኣይነበረን እዩ፧ ብዛዕባኡ ኽትዛረብ ከሎኻ፡ ርእስኻ እትንቕንቕሲ ኣብ ማእከል ሰረቕቲ ደዀን ተረኺቡ እዩ፧
28. ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፡ ካብተን ከተማታት ልቐቑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ገምገም ጸድሪ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ።
29. ምክሔ ሞኣብን ብርቱዕ ትዕቢቱን ፍኽናኔኡን ኲርዓቱን ድፍረቱን ኲዕናኔ ልቡን ሰማዕና።
30. ኣነ ንዂራኡን ነቲ ኸንቱ ዝዀነ ትምክሕቱን እፈልጥ አሎኹ፡ ግብሩውን ከንቱ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
31. ስለዚ ንሞኣብ ኤልቅሰሉ፡ ኣብ ኲሉ ሞኣብ ከኣ እቚዝም አሎኹ። ንሰብ ቂር-ሄሬስ እህህ ይብሉሎም አለዉ።
32. ኣቲ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ፡ ካብቲ ብኽያት ያዕዜር ዚበዝሕ ገይረ እበኽየልኪ አሎኹ። ሓረግኪ ኽንየው ባሕሪ ተሳገረ፡ ክሳዕ ባሕሪ ያዕዜርውን በጽሔ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ኣብ ቀውዒ ዘቢብክን ወረደ።
33. ካብቲ ፈራዪ ግርሁን ካብ ሃገር ሞኣብን ፍስሃን ደስታን ጠፍኤ። ነቲ ወይኒ ኣብ መሓምተሊኡ ኣወዳእክዎ። ድሕርዚ ዘቢብ ብእልልታ ኣይሕምተልን፡ እቲ እልልታ ድማ እልልታ ኣይኰነን።
34. ማያት ነምሪም ከኣ ምድሪ ኣጻምእ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣውያት ሔስቦን ክሳዕ ኤልዓለ፡ ክሳዕ የህጻ፡ ካብ ጾኣር ክሳዕ ሆሮናይም፡ ክሳዕ ኤግላት-ሸሊሻ ኺስማዕ እዩ።
35. ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ ሞኣብ ኣብ በረኽቲ ዚድይብን ንኣማልኽቱ ዚዐጥንን ከጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
36. እቲ ዝደለብዎ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ንሞኣብ ከም እምብልታ ይቚዝም፡ ንሰብ ቂር-ሄሬስ ከኣ ልበይ ከም እምብልታ ገይሩ ይቚዝመሎም አሎ።
37. ስለዚ ርእሲ ዘበለ ተላጽዩ፡ ኲሉ ጭሕሚ ተቘሪጹ፡ ኲላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፡ ኣብ ሓቛቚ ድማ ከሊ አሎ።
38. ንሞኣብ፡ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፡ ሰባቢረያ እየ እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኣናሕስ ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታታን ቊዝማ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
39. ኣየ፡ ከመይ ኢላ ተሳዕረት፡ ኢሎም የልቅሱ አለዉ። ከመይ ኢላ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት። ሞኣብ ንዂሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ ንመላገጽን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።
40. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከም ንስሪ ይነፍር፡ ኣኽናፉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ይዝርግሕ አሎ።
41. ቂርያት ተታሕዘት፡ ዕርድታት ድማ ተወስደ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሐዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።
42. ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ድሕርዚ ህዝቢ ኸይትኸውንሲ ኽትጠፍእ እያ።
43. ኣታ ኣብ ሞኣብ እትነብር ዘሎኻ፡ ፍርሃትን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
44. ኣነ ዓመት ቅጽዓቶም ኣብ ርእሲኣ፡ ኣብ ርእሲ ሞኣብ ከውርድ እየ እሞ፡ ካብ ፍርሃት ዚሀድም ናብ ጒድጓድ ኪወድቕ፡ ካብ ጒድጓድ ዚወጽእ ከኣ ኣብ መፈንጠራ ኺተሐዝ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
45. እቶም ሃደምቲ ደኺሞም፡ ኣብ ጽላል ሔስቦን ደው ኢሎም አለዉ። ካብ ሔስቦን ሓዊ፡ ካብ ማእከል ሲሆን ከኣ ሃልሃልታ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ነቲ ጐቦታት ሞኣብን ነቲ ርእሲ ደቂ ታዕታዕን በሊዕዎ እዩ።
46. ኣቲ ሞኣብ፡ ኣወዳትኪ ተማሪኾም፡ ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ፡ ወይለኺ፡ ህዝቢ ኬማሽ ጠፊኡ እዩ።
47. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሳ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክሳዕ እዚ እዩ እቲ ፍርዲ ሞኣብ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...