1. እቲ፡ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሃገር ይሁዳ ዘንገሶ ጼድቅያስ ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኢኮንያ ወዲ ዮኣቂም ነገሰ

2. ግናኸ ንሱን ባሮቱን ህዝቢ እታ ሃገርን ነታ እግዚኣብሄር ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተናገሮ ቓል ኣይሰምዑን

3. ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ ንዮካል ወዲ ሸልምያን ንጸፋንያ፡ ወዲ መኣስያ እቲ ኻህንንንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ለምነልናኪብልዎ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኾም

4. ንኤርምያስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእተውዎን ነበሩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወጽእን ነበረ።

5. ሰራዊት ፈርኦን ካብ ግብጺ ነቐለ፡ እቶም ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ከለዳውያን ከኣ እዚ ወረ እዚ ሰምዑ እሞ ኻብ የሩሳሌም ተዛሕጡ

6. ሽዑ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ኤርምያስ መጸ፡

7-8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ እቲ ኺረድአኩም ኢሉ ዝወጸ ሰራዊት ፈርኦን ናብ ሃገሩ፡ ናብ ግብጺ ኺምለስ እዩ። ከለዳውያን ከኣ ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኺዋግእዋሒዞም ድማ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም፡ ይብል አሎ ኢልኩም፡ ነቲ ኽትሐቱኒ ኢሉ ናባይ ዝሰደድኩም ንጉስ ይሁዳ ንገርዎ።

9. እግዚኣብሄር ከኣ ይብል አሎ፡ እቶም ከለዳውያን ኣይኪለቁን እዮም እሞ፡ ብርግጽ ኪለቁልና እዮም፡ ኢልኩም ንርእስኹም ኣይትጠብሩ

10. ንብዘሎ እቲ ዚዋግኣኩም ሰራዊት ከለዳውያን እኳ እንተ ሰዐርኩምዎ እሞ ገለ ውጉኣት ሰባት ጥራይ ካብኦም እንተ ተረፉ፡ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደድንኳኑ ምተንስኤ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ መንደድዋ

11. ኰነ ድማ፡ ሰራዊት ከለዳውያን ብምኽንያት ሰራዊት ፈርኦን ካብ የሩሳሌም ምስ ተዛሕጠ

12. ሽዑ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ወጺኡ ብጽሒት ርስቱ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኺወስድ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከደ

13. ናብ ደገ ብንያም ምስ በጽሔ ድማ፡ ሓደ ሓለቓ ሓለውቲ ይርያ ዝስሙወዲ ሸልምያ ወዲ ሃናንያ፡ ኣብኡ ነበረ፡ ንነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ ናብ ከለዳውያን ኢኻ ትጸሉቕ ዘሎኻ፡ ኢሉ ሐዞ

14. ኤርምያስ ከኣ፡ ሓሶት እዩ፡ ናብ ከለዳውያን ኣይጸለቚኩንኢሉ መለሰ። ይርያ ግና ኣይሰምዖንንኤርምያስ ሒዙውን ናብ መሳፍንቲ ወሰዶ

15. እቶም መሳፍንቲ ድማ ንኤርምያስ ኰረዩሉን ወቕዕዎን፡ ኣብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ከኣ፡ ንእኣ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ነበሩ እሞ፡ ኣብኣ ኣሰርዎ

16. ሽዑ ኤርምያስ ኣብቲ ጒድጓድ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ በዓቲ ኣተወኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡

17. ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ልኢኹ ኣምጽኦ። ኣብ ቤቱ ድማ ብሕቡእ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ቓልዶ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶኤርምያስ ከኣ፡ እወ አሎ፡ በለ፡ ንስኻ እኳ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውፈ ኢኻ፡ ኢሉውን መለሰ።

18. ድሕሪኡ ኤርምያስ ንንጉስ ጼድቅያስ፡ ንኣኻን ንባሮትካን ነዚ ህዝቢ እዝን እንታይ በዲለ እየ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኻኒበሎ

19. እቶም፡ ንጉስ ባቢሎን ኣባኹምን ኣብዛ ሃገር እዚኣን ኣይኪመጽእን እዩ፡ ኢሎም ዚንበዩልኩም ዝነበሩ ነብያት ደኣ ኣበይ አለዉ፧

20. እምበኣርሲ ኣታ ጐይታይ ንጉስጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቅቡል ይኹን፡ ኣብኣ ኸይመውትሲ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ኣይትምለሰኒ፡ ድማ በሎ።

21. ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኪኸውን፡ ኣብ ጸጽባሕ ድማ፡ ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዚሰኣን፡ ካብ ዕዳጋ ጋገርቲ ሓንቲ እንጌራ ኺህብዎ ኣዘዘኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ