1. ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳብዓይ ወርሒ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤልወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ናብ ሚጽጳ መጸ። ኣብኣ ኣብ ሚጽጳ ኸኣ ሐቢሮም እንጌራ በልዑ

2. ሽዑ እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰብን ተንሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እቲ ሃገር ሸይምዎ ዝነበረ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋንብሰይፊ ቀንጺሎም ቀተልዎ

3. እስማኤል ከኣ ነቶም ምስ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂላቶም ኣይሁድን ነቶም ከለዳውያን ኣብኡ ዝጸንሑ ተዋጋእትን ቀተሎም

4. ኰነ ኸኣ ኣብ ጽባሕ እቲ ንገዳልያ ዝቐተለሉ፡ - ሓደ እኳ ኸይፈለጦ ኸሎ፡

5. ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላጸዩክዳኖም ዝቐደዱ፡ ሰብነቶም ዘቚሰሉ ሰማንያ ሰብ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኬቕርቡ መጹ

6. እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ካብ ሚጽጳ እናበኸየ ኪቕበሎም ወጸ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተቐበሎምንዑናይ፡ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ንኺድበሎም

7. ኣብ ማእከል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፡ እስማኤል ወዲ ነታንያ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኰይኑ ሐረዶም፡ ኣብ ዔላ ኸኣ ደርበዮም።

8. ካብኦም ድማ ዓሰርተ ሰብ ንእስማኤል፡ ሕቡእ መዝገብስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ መሮር አሎና እሞ፡ ኣይትቕተለናዚብልዎ ተረኽቡ፡ ንሱውን ምስቶም ኣሕዋቶም ከይቀተለ ሐደጎም

9. እታ፡ እስማኤል ንዂሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ኣብ ጥቓ ገዳልያ ዝደርበየላ ዔላ፡ - ንሳ ንጉስ ኣሳ ንባዕሳ ንጉስ እስራኤል ፈሪሁ ዘግበራ እያ፡ - ንእኣ እስማኤል ወዲ ነታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ

10. እስማኤል ከኣ ነቶም ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂሎም ተረፍ ህዝቢነዋልድ ንጉስን ንዂሉ እቲ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ዘማዕቈቦ ኣብ ሚጽጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። እስማኤል ወዲ ነታልያ ማሪኹ ወሰዶም እሞ ናብ ደቂ ዓሞን ኪኣቱ ነቐለ

11. ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ ዝገበሮ ዂሉ እኩይ ምስ ሰምዑ

12. ኲሉ ሰቦም ሒዞም ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኺዋግእዎ ኸዱ እሞ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ

13. ኰነ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ምስ እስማኤል ዝነበር ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ምስ ረአየተሐጐሰ

14. ኲሉ እቲ እስማኤል ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ህዝቢ ኸኣ ተገልበጠ ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃውን ተመሊሱ ኸደ

15. እስማኤል ወዲ ነታንያ ግና ምስ ሾሞንተ ሰብኣይ ካብ ዮሃናን ኣምለጠ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ከኣ ኸደ

16. ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራውትን ነቲ፡ እሰማኤል ወዲ ነታንያ ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ምስ ቀተሎ፡ ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ዂሉ ተረፍ እቲ ህዝቢ፡ ነቶም ካብ ጊብዖን ዘምለሶም ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባት ካብኡ ወሰዶም፡

17-18. እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝሸሞ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ስለ ዝቐተሎ፡ በቶም ከለዳውያን ይፈርሁ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ምስሪ ኺኣትዉ ኢሎም ነቐሉ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ዘላ ቤት ጋሻ ናይ ኬምሃም ከኣ ሰፈሩ