1. ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳብዓይ ወርሒ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፡ ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕ፡ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ናብ ሚጽጳ መጸ። ኣብኣ ኣብ ሚጽጳ ኸኣ ሐቢሮም እንጌራ በልዑ።
2. ሽዑ እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰብን ተንሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እቲ ሃገር ሸይምዎ ዝነበረ ገዳልያ፡ ወዲ ኣሂቃም ወዲ ሻፋን፡ ብሰይፊ ቀንጺሎም ቀተልዎ።
3. እስማኤል ከኣ ነቶም ምስ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂላቶም ኣይሁድን ነቶም ከለዳውያን ኣብኡ ዝጸንሑ ተዋጋእትን ቀተሎም።
4. ኰነ ኸኣ ኣብ ጽባሕ እቲ ንገዳልያ ዝቐተለሉ፡ - ሓደ እኳ ኸይፈለጦ ኸሎ፡
5. ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላጸዩ፡ ክዳኖም ዝቐደዱ፡ ሰብነቶም ዘቚሰሉ ሰማንያ ሰብ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኬቕርቡ መጹ።
6. እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ካብ ሚጽጳ እናበኸየ ኪቕበሎም ወጸ። ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተቐበሎም፡ ንዑናይ፡ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ንኺድ፡ በሎም።
7. ኣብ ማእከል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፡ እስማኤል ወዲ ነታንያ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኰይኑ ሐረዶም፡ ኣብ ዔላ ኸኣ ደርበዮም።
8. ካብኦም ድማ ዓሰርተ ሰብ ንእስማኤል፡ ሕቡእ መዝገብ፡ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ መሮር አሎና እሞ፡ ኣይትቕተለና፡ ዚብልዎ ተረኽቡ፡ ንሱውን ምስቶም ኣሕዋቶም ከይቀተለ ሐደጎም።
9. እታ፡ እስማኤል ንዂሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ኣብ ጥቓ ገዳልያ ዝደርበየላ ዔላ፡ - ንሳ ንጉስ ኣሳ ንባዕሳ ንጉስ እስራኤል ፈሪሁ ዘግበራ እያ፡ - ንእኣ እስማኤል ወዲ ነታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ።
10. እስማኤል ከኣ ነቶም ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዂሎም ተረፍ ህዝቢ፡ ነዋልድ ንጉስን ንዂሉ እቲ ናቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ዘማዕቈቦ ኣብ ሚጽጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። እስማኤል ወዲ ነታልያ ማሪኹ ወሰዶም እሞ ናብ ደቂ ዓሞን ኪኣቱ ነቐለ።
11. ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ ዝገበሮ ዂሉ እኩይ ምስ ሰምዑ፡
12. ኲሉ ሰቦም ሒዞም ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኺዋግእዎ ኸዱ እሞ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ።
13. ኰነ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ምስ እስማኤል ዝነበር ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ምስ ረአየ፡ ተሐጐሰ።
14. ኲሉ እቲ እስማኤል ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ህዝቢ ኸኣ ተገልበጠ ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃውን ተመሊሱ ኸደ።
15. እስማኤል ወዲ ነታንያ ግና ምስ ሾሞንተ ሰብኣይ ካብ ዮሃናን ኣምለጠ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ከኣ ኸደ።
16. ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ሓላቑ ሰራውትን ነቲ፡ እሰማኤል ወዲ ነታንያ ንገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ምስ ቀተሎ፡ ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶ ዂሉ ተረፍ እቲ ህዝቢ፡ ነቶም ካብ ጊብዖን ዘምለሶም ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባት ካብኡ ወሰዶም፡
17-18. እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝሸሞ ገዳልያ ወዲ ኣሂቃም ስለ ዝቐተሎ፡ በቶም ከለዳውያን ይፈርሁ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ምስሪ ኺኣትዉ ኢሎም ነቐሉ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ዘላ ቤት ጋሻ ናይ ኬምሃም ከኣ ሰፈሩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...