1. ናብከድናጾር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያስወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ፡ ምስ መሳፍንቲ ይሁዳን ጾረብትን ሰራሕቲ ሓጻውንን ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ኣግዐዞም፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ፡ ኣብ ቅድሚ መቕደስ እግዚኣብሄር እተነብራኣርኣየኒ

2. እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ፍልም ዝበሰለ በለስኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፡ እታ ሓንቲ መሶብ ድማ ምብላዑ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ።

3. ሽዑ እግዚኣብሄርኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነ ድማ፡ በለስ፡ እቲ ጽቡቕ በለስ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ሕማቕ ከኣ ብምሕማቑ ኺብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ፡ ኢለ በልኩ

4. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡

5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ነቶም ካብ እዚ ስፍራ እዚ ናብ ሃገር ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ፡ ከምቲ ጽቡቕ በለስ ገይረ፡ ባህ ኢሉኒ ኽጥምቶም እየ።

6. ባህ ኢሉኒ ኣዒንተይ ናባታቶም ከብለን እየ፡ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሀንጾም እየ እሞ ኣይከፍርሶምንክተኽሎም እየ እሞ ኣይክምንቊሶምን እየ።

7. እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡንስልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

8. ኣነ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝተረፉ ኣብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ዚነብሩ ዘለዉ ትርፊ የሩሳሌም፡ ከምቲ ሕማቕ ኪብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኰይኑ ዝሐመቐ በለስ ከምኡ ኽገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

9. ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ስፍራታት ከኣ ንጸርፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመርገምን ኪዀኑ፡ ኣብ ኲሉ መንግስትታት ምድሪ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

10. ካብታ ንኣታቶም ነቦታቶምን ዝሀብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡሰይፍን ጥሜትን ፌራን ክሰደሎም እየ።