1. ሽዑ ዂሎም ሓላቑ ሰራዊትን ዮሃናን ወዲ ቃሬሃን ይዘንያ ወዲ ሆሻዕያን ኲሉ እቲ ህዝቢውን ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ቐሪቡ

2-3. ንነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ ኣዒንትኻ ይርእያና ኸም ዘለዋ፡ ካብ ብዙሓት ሒዶት ተሪፍና ኢና እሞ፡ ልማኖና ዀታ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንኸደላ መገድን እንገብሮ ግብርን ኪሕብረልናስ፡ ስለ ዂሎም እዞም ተረፍ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልናበልዎ

4. ነብዪ ኤርምያስ ከኣ፡ ሰሚዔ አሎኹ፡ እንሆ፡ ከምቲ ቓልኩም ገይረ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክልምኖ እየ። እግዚኣብሄር ዚመልሰልኩም ዘበለ ቓል ድማ ክነገርኩምሓንቲ እኳ ኣይክሐብኣልኩምን እየ፡ በሎም

5-6. ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደደልና ዂሉ ቓላት እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና። ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣዚዝና ደሓን ምእንቲ ኽንረክብ፡ እንተ ጸቢቑ እንተ ኸፊኡ ንድምጺ እቲ ናብኡ እንልእከካ ዘሎና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንእዘዝ በልዎ

7. ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።

8. ንሱ ኸኣ ንዮሃናን ወዲ ቃሬናን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኺሎም ሓላቑ ሰራዊትን ንዂሉ እቲ ህዝቢ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ጸውዖም

9. በሎም ከኣ፡ እቲ ልማኖኹም ኣብኡ ከቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡

10. ነቲ ዝገበርኩኹም እኩይ እጥዐሰሉ አሎኹ እሞ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐመጥኩምሲክሀንጸኩም እምበር፡ ኣይከፍርሰኩምን እየ፡ ክተኸለኩም እምበር፡ ኣይክምንቊሰኩምን እየ።

11. ኣነ ኸድሕነኩም ካብ ኢዱውን ከናግፈኩምሲ ምሳኻትኩም እየ እሞ፡ ነቲ እትፈርህዎ ዘሎኹም ንጉስ ባቢሎን ኣይትፍርህዎ፡ ኣይትፍርህዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር

12. ክምሕረኩም እየ፡ ንሱ ኸኣ ከም ዚምሕረኩምን ናብ ሃገርኩም ከም ዚመልሰኩምን ክገብር እየ።

13-14. ግናኸ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ፡ ኣይፋልናን፡ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላቃና መለኸት ዘይንሰምዓላእንጌራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብጺ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን፡ እንተ በልኩም

15. እምበኣርስኸ ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ እሞ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ናብ ግብጺ ንምእታው ገጽኩም እንተ መለስኩም፡ ኣብኣ ኽትቅመጡውን እንተ ገዐዝኩም

16. ሽዑ እቲ እትፈርህዎ ሰይፊ ኣብኣ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ኬርክበኩም፡ እቲ እትፈርህዎ ጥሜት ከኣ ናብኣ፡ ናብ ግብጺ ኺስዕበኩም እዩ እሞ ኣብኣ ኽትሞቱ ኢኹም።

17. ኲሎም እቶም ኣብኣ ኪቕመጡ ኢሎም ገጾም ናብ ግብጺ ዝመለሱ ሰባት ኣብኣ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪሞቱ እዮም፡ ካባታቶም ከኣ ካብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይኪተርፍንኣይኬምልጥንውን እዩ።

18. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምቲ ዂራይን ነድረይን ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ እተኻዕወ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግብጺ ምስ ኣቶኹምነድረይ ናባኻትኩም ኪኲዖ እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ንመሰክሕን ንመስደመምን ንመራገምን ንመጻረፍን ክትኰኑ ድሕርዚውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይክትርእይዋን ኢኹም፡ ይብል አሎ።

19. ኣቱም ተረፍ ይሁዳእግዚኣብሄር፡ ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ፡ ኢሉ ተዛሪቡኩም እዩ። ኣነውን ነዚ ሎሚ ኸም ዝመስከርኩልኩምኣርጊጽኩም ፍለጡ

20. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ለምነልና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚብሎ ዂሉ ንገረና፡ ንሕና ድማ ክንገብሮ ኢና፡ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፡ በዝስ ንነፍስኹም ኢኹም ዝጠበርኩም

21. እምበኣርሲ ሎሚ ኣፍሊጠኩም እየ፡ ንስኻትኩም ግና በቲ ናባኻትኩም ዝለአኸኒ ዂሉ ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተኣዘዝኩምን

22. ስለዚ ኣብታ ኽትቅመጥዋ ኢልኩም ክትከድዋ እትደልዩ ዘሎኩም ቦታ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከም እትሞቱኣርጊጽኩም ፍለጡ