1. ሻፋጥያ ወዲ መታንን ገዳልያ ወዲ ጳሽሑርን ዩካል ወዲ ሸልማያን ጳሽሑር ወዲ መልክያን ነቲ ኤርምያስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢሉ ንዂሉ ህዝቢ እተዛረቦ ቓላት ሰምዑ

2. ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚቕመጥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪመውት እዩ፡ ናብ ከለዳውያን ዚኣቱ ግና ብህይወት ኪነብር፡ ነፍሱ ድማ ዘመታኡ ኽትኰነሉ እያ፡ ብህይወት ከኣ ኪነብር እዩ፡

3. እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትውፈ እያ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

4. እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ነቲ ንጉስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ጒድኣት እዚ ህዝቢ እዚ እምበር፡ ደሓኑ ዘይደሊ ስለ ዝዀነ፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓላት እናተዛረቦምኣእዳው እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትንኣእዳው ኲሉ ህዝብን የድክም አሎ እሞ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣቕትሎ ደኣ፡ በሉ

5. ንጉስ ጼድቅያስ ከኣ፡ ንጉስ ኪገጥመልኩም ኣይክኣሎን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፡ በለ

6. ሽዑ ንኤርምያስ ወሲዶም፡ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ዔላ ናይ መልክያ ወዲ ሃሜሌክ ደርበይዎ፡ ንኤርምያስ በግማድ ገይሮም ኣውረድዎ። ኣብቲ ዔላውን ጭቃ እምበር፡ ማይ ኣይነበረን እሞ ኤርምያስ ኣብቲ ጭቃ ተዋሕጠ

7. እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ናብታ ዔላ ኸም ዘእተውዎ ሰምዔ፡ - ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ፡

8-9. ዔብድ-ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት ንጉስ ወጺኡንንጉስ፡ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናብ ዔላ ዝደርበይዎ ነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎ ዂሉስ እከይ ገይሮም አለዉ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ኪመውት እዩ፡ ኢሉ ነገሮ

10. እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ፡ ካብዚ ሰላሳ ሰብኣይ ተማላእ እሞ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብታ ዔላ ኣውጽኣዮኢሉ ኣዘዞ

11. ዔብድ-ሜላክ ከኣ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፡ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤት መዝገብ አትዩ፡ ካብኣ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብታ ዔላ ናብ ኤርምያስ ኣውረዶ

12. እቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ድማ ንኤርምያስ፡ እዚ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ ትሽትሽካ ኣብ ትሕቲ ኣግማድ ግበሮበሎ። ኤርምያስ ከኣ ከምኡ ገበረ

13. ንሳቶም ድማ ንኤርምያስ በግማድ ስሒቦም ካብቲ ዔላ ኣውጽእዎኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ

14. ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኸ፡ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ናብኡ ኣምጽኦ። እቲ ንጉስውን ንኤርምያስሓንቲ ነገር ዝሐተካ ኣላትኒ እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣለይበሎ

15. ኤርምያስ ድማ ንጼድቅያስ፡ እንተ ነገርኩኻብርግጽዶ ኣይትቐትለንን ኢኻ፧ እንተ መኸርኩኻ ኸኣ፡ ኣይክትሰምዓንን ኢኻ፡ በሎ

16. ሽዑ ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስከይቀትለካን ኣብ ኢድ እዞም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸይህበካን፡ እዛ ነፍሲ እዚኣ ዝገበረልና እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢሉ ብሕቡእ መሐለሉ

17-18. ሽዑ ኤርምያስ ንጼድቅያስ፡ ወጺእካ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኸድካነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይክትነድድን እያ፡ ንስኻን ቤትካን ከኣ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግናኸ ወጺእካ ናብ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይከድካ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክትውፈ፡ ንሳቶም ከኣ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም፡ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄርኣምላኽ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኢሉ ነገሮ

19. ንጉስ ጼድቅያስ ድማ ንኤርምያስ፡ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ከለዳውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ ኣሕሊፎም ከይህብኒ እሞ ከየላግጹለይ እፈርህ አሎኹ፡ በሎ

20. ኤርምያስ ከኣ፡ ኣሕሊፎም ኣይኪህቡኻን እዮም፡ በለኪቐንዓካ ነፍስኻውን ብህይወት ክትነብርሲ፡ ኣብዛ ኣነ ዝብለካ ዘሎኹ ቓል ንድምጺ እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ

21. ኣይወጽእን ኢልካ እንተ ኣቤኻ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ነገር እዚ እዩ፡

22. እንሆ፡ ኲለን እተን ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኬውጽእወን እዮም እሞ፡ ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፡ ኣእጋርካ ኣብ ተኺላ ተሸርባ፡ ንሳቶም ከኣ ኣድሐርሐሩኪብላ እየን።

23. ኲለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ከለዳውያን ኬውጽእዎም እዮም፡ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትትሐዝ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሰርኻ ብሓዊ ኽትነድድ እያ፡ በለ።

24. ሽዑ ጼድቅያስ ንኤርምያስከይትመውትሲ፡ ነዘን ቃላት እዚኤን ሓደ እኳ ኣይፍለጠንበሎ

25. እቶም መሳፍንቲ ምሳኻ ኸም እተዛረብኩ እንተ ሰምዑ፡ ናባኻ መጺኦም ድማ፡ ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፡ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ ኸይሐባእካ ንገረና እሞ ኣይክንቀትለካን ኢና። እንተ በሉኻ፡

26. ንስኻ ድማ፡ ኣብኣ ኸይመውትሲ ናብ ቤት ዮናታን ከም ብሓድሽ ኣይትምለሰኒ፡ ኢለ እየ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝለመንኩበሎም

27. ኲሎም እቶም መሳፍንቲ ናብ ኤርምያስ መጺኦም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ ከምተን እቲ ንጉስ ዝኣዘዘን ኲለን ቃላት ገይሩ ተዛረቦም። እቲ ነገር ኣይተሰምዔን ነበረ እሞ፡ ትም ኢሎም ክዱሉ።

28. ኤርምያስ ድማ ክሳዕ እታ የሩሳሌም እተታሕዘትላ መዓልቲ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጡ ነበረ። የሩሳሌም ክትትሐዝ ከላ ኸኣ ኣብኣ ነበረ።