1. በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ኣምላኽ ኲላቶም ዓሌት እስራኤል ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

2. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጸጋ ረኸበንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ አሎኹ።

3. እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ

4. ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ክሀንጸኪ እየ እሞ ኽትህነጺ ኢኺ። ከም ብሓድሽ ድማ ብኸበሮ ኣጋይጽኪብሳዕስዒት ሕጉሳት ክትወጺ ኢኺ።

5. ከም ብሓድሽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ኣኽራን ሰማርያ ክትተኽሊ ኢኺ፡ እቶም ተኸልቲ ኺተኽሉ፡ ፍሪኡ ኸኣ ኪአርይዎ እዮም።

6. እቶም ሓለውቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬምንዑናይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ጽዮን ንደይብ፡ ኢሎም ዚጽውዑላ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።

7. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንያእቆብ ብሓጐስ ድረፉሉ፡ በቲ ርእሲ ህዝብታት እልል በሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣመስግኑ እሞ፡ ጐይታይንህዝብኻ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤልኣድሕኖበሉ

8. እንሆ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ከምጽኦም፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ክእክቦም እየ። ምስኦም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን ቅልውላው ሕርሲ እተታሕዘትን ሐቢሮምዓብዪ ጉባኤ ዀይኖም ናብዚ ኺምለሱ እዮም።

9. እናበኸዩ ኺመጹ እዮም፡ እናጸለዩ ኽመርሖም እየ። ንእስራኤል ኣቦ ዀይነ እየ፡ ኤፍሬም ድማ በዂሪ ወደይ እዩ እሞ፡ ብዘይዕንቀፉላ ዕርይቲ መገዲ ናብ ወሓዚ ማይ ክወስዶም እየ።

10. ኣቱም ህዝብታትቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከኣ፡ እቲ ንእስራኤል ዝበተኖ ኺእክቦ፡ ከም ጓሳ ንመጓሲኡ ድማ ኪሕልዎ እዩ፡ ኢልኩም ኣውርዩለን

11. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዚሕይል ከኣ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፡

12. ንሳቶም ኪመጹ፡ ኣብ ከረን ጽዮን ከኣ እልል ኪብሉ እዮም። ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፡ ናብ እኽልን ወይንን፡ ናብ ዘይትን ናብቲ ፍረ ኣባጊዕን ኣሓን ሀዲዶም ኪእክቡ እዮም። ነፍሶም ድማ ከምቲ ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፡ ድሕሪ እዚውን ኣይኪቕሕትዉን እዮም።

13. ሽዑ እታ ድንግል ብጓይላ ባህ ኪብላ፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን ድማ ሐቢሮም ኪሕጐሱ እዮም። ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክምልሶን ከጸናንዖምን እየ፡ ድሕሪ ጓሂኦምውን ባህ ከብሎም እየ።

14. ንነፍሲ ኻህናት ብስብሒ ኽጥልሎ እየ፡ ህዝበይ ከኣ ብበረኸተይ ኪጸግብ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

15. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔዋይዋይታን መሪር ብኽያትንራሄል ንደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ስለ ደቃ ምድባስ ኣበየት

16. ከምዚ ይብል እግዚኣብሄርግብርኺ ዓስቡ ኺረክብ እዩ፡ ካብ ሃገር ጸላኢውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ድምጽኺ ኻብ ዋይዋይታ ዓይንኺ ድማ ካብ ንብዓት ዕገቲ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

17. ንዳሕራይኪ ኸኣ ተስፋ ኣሎኪደቅኺውን ናብ ዶቦም ኪምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር

18. ኤፍሬም ከኣ፡ ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ ጌርካ ቐጻዕካኒ ተቐጻዕኩ ድማ፡ ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እሞ፡ ምለሰኒ ኽምለስ ከኣ እየ፡ ኢሉ ኺግዕር ከሎ ኣጸቢቐ ሰማዕክዎ

19. ምስ ተመለስኩተጠዐስኩ ምስ ተፈለጠኒ ኸኣ፡ ሰለፈይ ወቓዕኩጸርፊ ንእስነተይ ጾይረ እየ እሞ፡ ሐፈርኩን ሐነኽኩን።

20. ኤፍሬምዶ ፍቁር ወደይ፡ እቲ ምጭዊ ውሉደይ ኣይኰነን፡ ብዂራ እኳ እንተ ተዛረብክዎ፡ መመሊሰ እዝክሮ አሎኹ እሞ፡ ብምኽንያቱ ኣምዑተይ ተበጢሱ እዩ፡ ኣነየውን ብሓቂ ኽምሕሮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

21. መሓበርታ መገዲ ኣቑሚመፈለጥታታት ከኣ ትኸሊ፡ ልብኺ ናብታ ኼድክላ ዝነበርኪ ጐደናን መገድን ኣቕንዒ። እቲ ድንግል እስራኤልተመለሲ፡ ናብዘን ከተማታትኪ ተመለሲ።

22. እቲ ዓወለኛ ጓል፡ ክሳዕ መኣዝ ዙንዙን ክትብሊ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩ እሞ፡ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።

23. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ካብ ምርኮ ምስ ኣምለስክዎም፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ከተማታትን፡ እቲ መሳፍሮ ጽድቂ፡ እቲ ኸረን ቅድስናእግዚኣብሄር ይባርኽኪ፡ ኢሎም እዚ ቓል እዚ ኸም ብሓድሽ ኪብሉ እዮም።

24-25. ንዝጸምኤት ነፍሲ ኸርውያንዝቓሕተወት ዘበለት ነፍሲ ድማ ከጽግባ እየ እሞ፡ ይሁዳን ኲለን ከተማታታን ሓረስቶትን እቶም ምስ መጓሴታት ዚጒዕዙን ሐቢሮም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

26. ድሕርዚ ተበራበርኩ እሞ ጠመትኩድቃሰይ ከኣ ጠዐመኒ

27. እንሆ፡ ንቤት እስራኤልን ንቤት ይሁዳን ብዘርኢ ሰብን ብዘርኢ እንስሳን ዝዘርኣለን መዓልታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር

28. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ ኣነ ንምምንቋስን ንምዕናውን ንምጒባእን ንምጥፋእን ንምስቓይን ኣብ ርእሲኦም ዝተጋህኩ፡ ከምኡ ድማ ንምህናጽን ንምትካልን ኣብ ርእሲኦም ክተግህ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

29. በተን መዓልትታት እቲኣተን ከም ብሓድሽ፡ እቶም ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ፡ ነስናን እቶም ውሉድ ከኸውን፡ ኣይኪብሉን እዮም።

30. ነፍሲ ወከፍሲ ብኣበሳኡ ደኣ ይመውት፡ እቲ መጺጽ ዘቢብ ዝበልዔ ኸኣ ኣስናኑ ይዀዂዎ

31. እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር

32. ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎይብል እግዚኣብሄር

33. ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

34. ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉንእግዚኣብሄር ፍለጦኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

35. እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲሕጋጋት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ክኸውን ዘቘመ፡ እቲ ንባሕሪውን ማዕበሉ ኺሀምም ዘናወጸ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡

36. እዚ ሕጋጋት እዚ ኻብ ቅድመይ እንተ ተፍኤ፡ ሽዑ ኸኣ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ኪጠፍእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

37. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ሰማይ ኣብ ላዕሊ እንተ ተለክዔ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ታሕቲ እንተ ተለክዔ፡ መሰረት ምድሪውን ኣብ ትሕቲ እንተ ተመርመረስ፡ ሽዑ ኣነውን ብሰሪ እቲ ዝገበርክዎ ዂሉ ንዂሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

38. እንሆ፡ እተን፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብ ግምቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን ንእግዚኣብሄር እትህነጸለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር

39. እቲ ገመድ መዓቀኒ ኸኣ ክሳዕ ኲድዂዶ ጋሬብ ትኽ ኢሉ ኺዝርጋሕ እዩ፡ ናብ ጎኣት ኣቢሉውን ኪምለስ እዩ።

40. ኲሉ እቲ ለሰ ሬሳታትን ሓሙዂስትን ኲሉ እቲ ግርሁ ኽወዕ ርበ ቌድሮንን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ክሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ። ንሓዋሩ ከቶ ኣይኪበርስን ኣይኪፈርስንውን እዩ።