1. እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡

2. ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉንከይሐባእኩም ከኣ፡ ባቢሎን ተታሕዘትቤል ነወረመሮዳክ ተሰባበረምስልታቱ ነወረ፡ ጣኦታቱ ኸኣ ተሰባበረኢልኩም ኣውጁ።

3. ህዝቢ ኻብ ሰሜን ተንሲእዋ አሎ እሞ፡ ንሃገራ በረኻ ኺገብራ እዩ፡ ኣብኣ ዚነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ፡ ሰብን ከብትን ሀዲሞም ሃው በሉ

4. በተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትን ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶምን ደቂ ይሁዳን ሐቢሮም ኪመጹ እዮም፡ እናበኸዩ ኪኸዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኪደልዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

5. መገዲ ጽዮን ኪሐቱገጾም ናብኣ ኣቕኒዖም ከኣ፡ ንዑናይብዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምስ እግዚኣብሄር ሕበሩ፡ ኪብሉ እዮም።

6. ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓ

7. ዝረኸብወን ዘበሉ ዂሎም በልዕወንጸላእቶም ድማ፡ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ማሕደር ጽድቂ፡ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ኣቦታቶም ዐጊቦም እዮም እሞ ንሕናስ ኣይበደልናንበሉ

8. ካብ ማእከል ባቢሎን ሀደሙ፡ ካብ ሃገር ከለዳውያን ወጹኣብ ቅድሚ መጓሰ ድማ ከም ድቤላታት ኩኑ።

9. እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሃገር ሰሜን ንባቢሎን ናይ ዓበይቲ ህዝብታት ኣኼባ ኸተንስኣላን ከውጽኣላን እየ እሞ፡ ንሳቶም ንውግእ ኪስለፉላ እዮም፡ ካብዚ ወገን እዚ ኸኣ ክትተሐዝ እያ። ፍላጻታቶም ከምቲ ናይ ንፉዕ ተዋጋኢ እዩ፡ ሓንቲ እዃ ብኸንቱ ኣይትምለስን እያ።

10. ምድሪ ከለዳውያን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፡ ኲላቶም ዘመትታ ድማ ከጸግቡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

11. ኣቱም ዘመትቲ ርስተይ፡ እንተ ተሐጐስኩምን እንተ ተረሳህኩምን እዃ፡ ኣብ ዓውዲ ኸም ዜኺዳ ኣሩሕ እኳ እንተ ተሰራሰርኩም፡ ከም ብርቱዓት ኣፍራስውን ኣንተ ሐምሐምኩምሲ

12. ኣዴኹም ክትንውር፡ እታ ወላዲትኩም ክትሐፍር እያ። እንሆ፡ ንሳ ዳሕረይቲ እቶም ህዝብታትበረኻን ምድሪ ኣጻምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ።

13. ብምኽንያት ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብዘላ ኽትባድም እያ እምበር፡ ድሕርዚ ኣብኣ ዚነብር የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ብባቢሎን ዚሐልፍ ከኣ በቲ ዂሉ ስቓይ ኺስክሓላን ኪፋጽየላን እዩ።

14. ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዂሉኹም፡ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉንእግዚኣብሄር ዐጊባቶ እያ እሞ፡ ወርውሩላፍላጻታት ኣይትብቀቑ

15. ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ኸምዚ ኢልኩም ጨድሩላኢዳ ሀበትመንደቕ ዕርዳ ወደቐቀጽሪ ፈረስ፡ እዚ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ሕኔኣ ፍደይዋከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ

16. ንዘራእን ነቲ ብጊዜ ቐውዒ ማዕጺድ ዚሕዝን ካብ ባቢሎን ኣጽንትዎም። ካብቲ ጨኳኒ ሰይፊ ኼምልጡስነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከድ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይህደም

17. እስራኤል ኣናብስ ተሃዳዲኖምዋእተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር በልዓ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዓጻጽምታ ሰባበረ

18. ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐጻዕክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐጽዕ እየ።

19. ንእስራኤል ናብቲ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፡ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ኪጓሰ እዩ፡ ነፍሱውን ኣብ ኰረቢት ኤፍሬምን ጊልኣድን ክትጸግብ እያ።

20. ነቶም ዘትረፍክዎምሲ ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እትን ኣበሳ እስራኤል ይድለ ኣይህሉን ከኣ፡ ሓጢኣት ይሁዳውን ኪሰኣን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

21. ናብ ሃገር ሜራታይምን ናብቶም ኣብ ጴኮድ ዚነብሩን ውጻእ እሞ፡ ቅተሎም፡ ነቲ ድሕሪኦም ዘሎ ኸኣ ብጥራስ ኣጥፍኣዮ፡ ብዂሉ ድማ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበርይብል እግዚኣብሄር

22. ደሃይ ውግእን ዓብዪ ምፍርስን ኣብታ ሃገር ይስማዕ አሎ።

23. እዛ ሞደወ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላኸ ተሰብረትን ተደቚሰትን፡ ከመይ ኢላስ ባቢሎን ኣብ ማእከል ህዝብታት መሰክሒ ዀነት።

24. ኣቲ ባቢሎንመፈንጠራ ኣጻወድኩልኪከይፈለጥኪ ኸኣ ተተሐዝኪ። ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ እተዋጋእኪ እሞ፡ ተረኸብክን ተተሐዝክን

25. እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዜቕንዖ ተግባር አለዎ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤት መሳርያኡ ኸፈቶኣጽዋር ኲራኡውን ኣውጽኤ

26. ካብ ወሰናት ምድሪ መጺእኩም ውረርዋ፡ ሪቓ ኽፈቱ፡ ከም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዋ ብጥራስ ከኣ ኣጥፍእዋሓንቲ እኳ ኣይተትፍሩ

27. ንዂሎም ኣረውሓ ቕተልዎም፡ ናብ ማህረዲ ኣውርድዎምመዓልቶምእታ ጊዜ መቕጻዕቶምበጺሓ እያ እሞ፡ ወይለኦም

28. ሕነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ሕነ መቕደሱ ኣብ ጽዮን ኬውርዮስ፡ ድምጺ እቶም ካብ ሃገር ባቢሎን ዝሀደሙን ዘምለጡን ይስማዕ አሎ።

29. ንወርወርቲ ቐስቲ፡ ንዂላቶም ቀስቲ ዚግትሩንባቢሎን ኪወግእዋ ኣኽትትዎምሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩከም ግብራ ፍደይዋንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ዂሉ ግበርዋ

30. ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያት ኺወድቁ እዮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኲሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

31. ኣቲ ትዕቢተኛ፡ እታ ንኣኺ ዝቐጽዓላ ጊዜ፡ እታ መዓልትኺ መጺኣ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ናባኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

32. እቲ ትዕቢጠኛ ኺዕንቀፍን ኪወድቕን እዩ፡ ዜተንስኦ ድማ የብሉን፡ ኣብ ከተማታቱ ኸኣ ሓዊ ኽትኵስ እየ፡ ንሱውን ንዂሉ ኸባቢኡ ሞዂ ኬብሎ እዩ።

33. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ብሓባር ጥቑዓት እዮም፡ እቶም ዝማረኽዎም ኲላቶም ከኣ ሐዝዎምከይሐድግዎም ድማ ኣበዩ

34. ተበጃዊኦም ብርቱዕ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። ንምድሪ ህድኣት ኪህብ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዘለዉ ኸኣ ኪህውኽሲነገሮም ኬቕንዓሎም እዩ።

35. ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታታን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

36. ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጀሃርቲ እዩ እሞ፡ ዓያሱ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑኣ እዩ እሞ፡ ኪፈርሁ እዮም።

37. ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራሳን ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን እዩ እሞ፡ ከም ኣንስቲ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግቦም እዩ እሞ ኪብዝበዙ እዮም።

38. ሃገር ቅሩጽ ምስልታት እያ፡ ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ አለዉ እሞ፡ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ፡ ኪነጽፍ ድማ እዩ።

39. ስለዚ ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኺነብሩላሰገናትውን ኣብኣ ኺሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዚነብር የልቦንንውሉድ ወለዶውን ኣይክትስራሕን እያ።

40. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ነተን ጐረባብተንን ዝገላበጠን፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

41. እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ይነቕሉ

42. ቀስትን ኲናትን ይሕዙጨካናትምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ፡ ኣፍራስ ይሰሩ። ኣቲ ጓል ባቢሎንንውግእ ከም እተዳለወ ሰብኣይ ተሰሊፎም ይመጹኺ አለዉ።

43. ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ይሰምዕኣእዳዉ ኸኣ ይልሕልሓ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲውን ጸበባን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።

44. እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ አሎ፡ ብኡብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ እተሐርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዚመዓራረየኒ መን እዩ፧ ቈጸራ ዚገብረለይከ መን እዩ፧ እቲ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳስ መን እዩ፧

45. ስለዚ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርንንሃገር ከለዳውያን ዝሐሰበላ ሓሳብን ስምዑብርግጽ፡ ነቶም ናእሽቱ መጓሰ ኺጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ኪስክሓሎም እዩ።

46. በቲ ባቢሎን ተታሕዘት ዚብል ደሃይ ከኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ አላ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታትውን ጭራሕምራሕ ይስማዕ አሎ።