1. እታ ብዛዕባ ህዝብታት ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸት ቃል እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፡

2. ብዛዕባ ግብጺ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዐሮ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ።

3. ዋልታን ገለብን ኣዳልዉ፡ ናብ ውግእ ከኣ ድፍኡ

4. ኣቱም ፈረሰኛታትነቶም ኣፍራስ ጽዐንዎም እሞ ስረርዎም። ቊራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ኣእትዉኲናውቲ ወላውሉድርዒውን ልበሱ

5. ስለምንታይ ደኣ ሰምቢዶም ንድሕሪት ዚምለሱ ዝርኢ ዘሎኹ፡ ጀጋኑኦም ተሰባበሩንድሕሪት ግልጽ ከይበሉውን ሀደሙኣብ ኲሉ ወገን ረዓድ አሎ፡ ይብል እግዚኣህቤር

6. እቲ ጐያዪ ኣይህደምእቲ ጅግና ኣየምልጥኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉን ወደቑን

7. እቲ ኸም ኒል ዚድይብማያቱ ኸኣ ከም ወሓዚ ዚናወጽሲ መን እዩ፧

8. ግብጺ እዩ ኸም ኒል ዚድይብማያቱ ድማ ከም ወሓዚ ዚናወጽ። ንሱውን፡ ኣነ ኽድይብንምድሪ ክኸድና። ነተን ከተማታትን ኣብኤን ዚነብሩን ከኣ ከጥፍእ እየ፡ ይብል አሎ

9. ኣቱም ኣፍራስውጹ፡ ኣቱም ሰረገላታትውረሩእቶም ጀጋኑዋልታ ዚሕዙ ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንን ቀስቲ ዚሕዙን ዚግትሩን ሉዳውያንን ይውጽኡ

10. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ መስዋእቲ ሕሩድ አለዎ እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተጻረርቱ ሕነ ምእንቲ ኺፈድዮምመዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ። እቲ ሰይፊ ኸኣ ኪዀምምን ኪጸግብንብደሞም ድማ ኪሰክርን እዩ።

11. ኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡ ናብ ጊልኣድ ድይቢቅዲት ከኣ ውሰዲንኸንቱ ኣፋውስ ተብዝሒ ኣሎኺኣየሕውየክን እዩ

12. ህዝብታት ነውርኺ ይሰምዑብኣውያትኪ ኸኣ ምድሪ ትመልእ አላ። ጅግና ኣብ ርእሲ ጅግና ተጐዝጒዙ ይዝዞ እሞ፡ ክልቲኦም ሐቢሮም ይወድቁ

13. ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከም ዚመጽእ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ከም ዚወቕዓ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ ዝነገሮ ቓል እዚ እዩ፡

14. ሰይፊ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዀሚምዎ እዩ እሞ፡ ተንስእተሰለፍውንኢልኩም ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣስምዑ፡ ኣብ ኖፍን ኣብ ታህጳኔስን ኣስምዑ።

15. ስለምንያት ጀጋኑኻ ኣብ ምድሪ ጻሕ በሉ፧ እግዚኣብሄር ደፊእዎም እዩ እሞ፡ ኪቘሙ ኣይከኣሉን።

16. ንሱ ንብዙሓት ሰንከልከል ኣበሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ድማ ወደቑ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዚ ዚጭኲን ሰይፊ ናብ ህዝብናን ናብታ እተወለድናላ ሃገርናን ንመለስበሉ

17. ኣብኡ ኸኣ፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ጠፊኡ፡ እቲ ምዱብ ጊዜውን ኣሕሊፎዎ፡ ኢሎም ጨደሩ

18. እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ይብል አሎ፡ ኣነ ህያው እየከም ታቦር ኣብ ኣኽራንከም ቀርሜሎስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺመጽእ እዩ።

19. ኖፍ ምድረ በዳ ኽትከውን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ ዀይና ኽትነድድ እያ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ዘሎኺ ጓልንምምራኽ ኣቓሑኺ ኣዳልዊ

20. ግብጺ ምልምል ኣርሒ እያ፡ መጥፍኢኣ ይመጽእካብ ሰሜን ይመጽእ አሎ።

21. እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዓስቢ ዓሳብ ድማ ከም ስቡሓት ኣርሒ እዮም። መዓልቲ ጥፍኣቶምጊዜ ቕጽዓቶም ወሪድዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶምውን ኲላቶም ግልብጥ ኢሎም ሀደሙ ኣይቈሙን ከኣ።

22. ምስ ጭፍራ ይመጹከም ፈለጽቲ ዕጨይቲ ድማ ብምሳውርቲ ይወርዋ አለዉ እሞ፡ ደሃያ ኸም ናይ ተመን ኰይኑ ይስማዕ አሎ።

23. ንሳቶም ኪቚጸሩ ዘይከኣሉካብ ኣንበጣ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ነዚ ዘይሕለፍ ዱር ይቘርጹ አለዉ፡ ይብል እግዚኣብሄር

24. ጓል ግብጺ ነወረትኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ተወፈየት

25. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ንኣሞን ካብ ኖን ንፈርኦንን ንግብጽን ንኣማልኽታን ንነገስታታን፡ ከምኡውን ንፈርኦንን ነቶም ዚውከልዎን ክቐጽዖም እዩ፡ ይብል አሎ።

26. ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ባሮቱን ከሕልፎም እየ። ድሕርዚ ግና ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረ ኺነብሩላ እዮምይብል እግዚኣብሄር

27. እምበኣርሲ ኣታ ያእቆብ ባርያይኣይትፍራህ፡ ኣታ እስራኤልኣይትሰምብድ። እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕንዘርእኻ ድማ ካብታ ተማሪኾምዋ ዘለዉ ሃገር ከድሕነኩም እየ እሞ፡ ያእቆብ ኪምለስኪዐርፍን ኪሀድእን እዩ፡ ዜሰምብዶ ድማ የብሉን

28. ኣታ ባርያይ ያእቆብኣነ ምሳኻ እየ እሞኣይትፍራህ። ንዂሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ህዝቢ ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን እየ፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝቐጽዓካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ እኳ ኣይሐድገካን እየይብል እግዚኣብሄር