1. ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመለስካስ፡ ናባይ ደኣ ተመለስ። ነቲ ጽያፍካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣርሐቕካዮቀባሕባሕ ኣይክትብልን ኢኻ፡

2. ሽዑ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብጽድቅን ክትምሕል ኢኻ፡ ኣህዛብ ከኣ ብእኡ ኺባረኹን ኪሕበኑሉን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

3. እግዚኣብሄር ንሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምዚ ይብል አሎ፡ በዱኹም ጽግኡ እሞ ኣብ እሾዂ ኣይትዝርኡ

4. ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩንብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኰይኑ ሃልሃል ከይብልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ተገዘሩልብኹም ገዘሩ

5. ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣውጁ እሞ፡ ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑበሉ። ዓው ኢልኩም ከኣ፡ ተኣከቡ እሞ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኢልኩም ጨድሩ

6. ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምጽእ እየ እሞ፡ ናብ ጽዮን ኣቢሉ ዜመልክት ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ መጸግዒ ድለዩ፡ ጠጠው ኣይትበሉ።

7. ኣንበሳ ኻብቲ ጭምጭም ዱር በለኽ ይብልምድርኺ ኼባድምከተማታትኪ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዚነብረለን ክሳዕ ዚሰኣን፡ ኬፍርስመጥፍእ ህዝብታት ነቒሉ ኻብ ስፍራኡ ይወጽእ

8. እምበኣርሲ እቲ ነዳዲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካባና ኣየግለሰን እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኑኣልቅሱ ዋይዋይ ድማ በሉ።

9. በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ንጉስ ልቢ መሳፍንትን ከም ዚዝሕትልካህናት ከም ዚፈዙነብያትውን ከም ዚግረሙ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

10. ኣነ ግና፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በጺሑ ኸሎስ፡ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብርግጽ ጠቢርካዮምበልኩ

11. በቲ ዘመን እቲ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኺበሀል እዩ፡ ሃሩር ዘለዎ ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብታ ጓል ህዝበይ ኪመጽእ እዩ፡ ንምምስኣይን ንምዝራውን ዚኸውን ኣይኰነን፡

12. ካብኡ ኣዝዩ ዚብርትዕ ንፋስ ካባይ ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ሕጂ ብፍርዲ ኽዛረቦም እየ።

13. እንሆ፡ ከም ደበና ዀይኑ ይወጽእሰረገላታቱ ኸም ህቦብላ እዮም። ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና

14. ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕጸቢ። ክሳዕ መኣዝ ክፋእ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኺነብር እዩ፧

15. ካብ ዳን ድምጺ ይስማዕ፡ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ ሕሰም ይውረ አሎ እሞ፡

16. እንሆ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚኸብብ ጭፍራ ይመጽእንኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ይፍክሩለን አለው፡ ኢልኩም ነህዛብ ንገርዎምንየሩሳሌም ኣፍልጥዋ

17. ንኣይ ስለ እተጻረረት፡ ከም ሓለውቲ ግራት ኰይኖም ብዂሉ ወገና ይኸብዋይብል እግዚኣብሄር

18. ኣኻይዳኽን ግብርኽን እዩ እዚ ዘውረደልኪ፡ እዚ ኽፍኣትኪ እዩ፡ መሪር እዩ እሞ፡ ክሳዕ ልብኺ ይበጽሕ

19. ኣምዑተይ፡ ኣምዑተይ ተበጠሰ፡ ኣየ ኣፍ ልበይ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትርግርግ ይብል አሎ። ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ህማም ውግእን ትሰምዕ አላ እሞ፡ ትም ኣይብልን።

20. ኲላ እታ ሃገር ዐኒዋ እያ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይውረ አሎ፡ ጐጆታተይ ብድንገትድንኳናተይ ድማ ብቕጽበት ዓይኒ ዐነዋ

21. ክሳዕ መኣዝ ሰንደቕ ዓላማ ኽርኢደሃይ መለኸትስ ክሰምዕ እየ፧

22. ህዝበይ ዓሻ እዩ እሞ፡ ኣይፈልጠንንድንዙዛት ደቂ እዮም እሞ፡ ኣእምሮ የብሎምንእከይ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።

23. ንምድሪ ጠመትክዋ፡ እንሆ፡ ጽምዋን ባዶን ነበረት፡ ንሰማያትውን ጠመትኩ እሞ ብርሃን ኣይነበሮን

24. ነኽራን ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ራዕራዕ ይብሉ፡ ኲላቶም ኰረቢትውን የንፈጥፍጡ ኣለው።

25. ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰብ ኣይነበረን፡ ኲለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ በረራ

26. ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ነድሪ ቚጥዓኡን እታ ፈራይት ምድርስ ምድረ በዳ ዀነት፡ ከተማታታ ድማ ፈረሳ

27. እግዚኣብሄር ኸምዚ ይብል፡ ኲላ እታ ሃገር ክትባድም እያ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ።

28. ኣነ ኢለ ኢሎኹ ወዲኤዮ ኸኣ እየ፡ ኣይክጠዐሰሉን ኣይክምልሶን ድማ እየ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ምድሪ ኽትሐዝንሰማያትውን ኣብ ላዕሊ ኺጽልምት እዩ፡ ይብል አሎ።

29. ካብቲ ድዋዕዋዕ ምባል ፈረሰኛታትን ወርወርቲ ፍላጻን እተላዕለ፡ ኲሉ እቲ ኸተማታት ይሀድም። ኣብ ዕሙር ዱር ይሰዃዅዑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ይሐዂሩ፡ ኲሉ ኸተማታት ተሐደኢጉዚነብሮ ሰብ ከኣ የልቦን።

30. ኣቲ ዝዐኖኺኸ፡ እንታይ ኽትገብሪ ኢኺ፧ ጁዂ እንተ ተኸደንኪስልማት ወርቂ እንተ ተሰለምኪኲሕሊ እንተ ተዀሐልኪንኸንቱ ኢኺ እተጋይጺ ዘሎኺ። ፈተውትኺ ንዒቖምኺ ነፍስኺ ይደልዩ ኣለው።

31. ነቲ ቕልውላው ዝሐዛ፡ ነቲ ምዕሉባጥ ፈለማያ እትወልድ ሰበይቲ ዚመስል ኣደድ ምባል እሰምዕ አሎኹ እሞ፡ ደሃይ እታ ዓቕሊ ኣጽቢባ፡ ኢዳ ዘርጋሕጋሕ እተብል፡ ዋይ ደኣ ነፍሰይ ብሰሪ እዞም ቀተልቲ ሰልከየት፡ ኢላ እተድሂ ዘላ ጓል ጽዮን እዩ።