1-2. እቲ፡ ነብካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኲሉ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዚግዝኡ ዂሎም መንግስትታት ምድርን ኲሎም ህዝብታትን ምስ የሩስሌምን ምስ ኲለን ከተማታታን ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ዚብል ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ፡ ናብ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ እንሆ፡ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክውፍያ እየ፡ ንሱውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።

3. ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ተታሒዝካ፡ ናብ ኢዱ ኽትውፈ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዱ ኣይከተምልጥን ኢኻ፡ ኣዒንትኻ ነዒንቲ ንጉስ ባቢሎን ኪርእያ እየን፡ ኣፍ ንኣፍ ድማ ኪዛረበካ እዩ፡ ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።

4. ግናኸ፡ ኣታ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ፡ ብሰይፊ ኣይክትመውትን ኢኻ፡ ይብል አሎ።

5. እዚ ቓል እዚ ኣነ እየ እተዛረብክዎ እሞ፡ ብሰላም ክትመውት ኢኻ፡ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታትኣቦታትካዝዐጠኑሎም፡ ከምኡ ኸኣ ኪዐጥኑልካ፡ ዋይ ጐይታየእናበሉ ድማ ኬልቅሱልካ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

6-7. ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዂላተን ከተማታት ይሁዳን፡ ማለት ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዐሪደን ተሪፈን ዝነበራ ላኪሽን ኣዜቃንኪዋግእ ከሎ፡ ሽዑ ነብዪ ኤርምያስ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ኲለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ

8. ንጉስ ጼድቅያስ ሓርነት ኪእውጅ ኢሉ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኺዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ።

9. እቲ ኺዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡንነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡንእብራውን እብራዊትንሓራ ኼውጽእ፡ ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ፡ ነቲ ሓዉባርያ ኸይገብሮ ዚብል እዩ።

10. እቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡ ንነፍሲ ወከፍ ነንስተይቲ ባርያኡን ሓራ ኼውጽኡ ድሕርዚ ኸኣ ባሮት ከይገብርዎም ኪዳን ዝኣተዉ ዂሎም መሳፍንትን ኲሎም ህዝብን ተኣዘዙተኣዘዙ ሓራውን ኣውጽእዎም

11. ደሓር ግና መሊሶም፡ ነቶም ሓራ ኣውጺኦምዎም ዝነበሩ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከም ብሓድሽ ኣምለስዎምተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።

12. ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ፡

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩላ መዓልቲ ምሳታቶም ኪዳን ኣቶኹ፡ በልክዎም ከኣ፡

14. ሾብዓተ ዓመት ምስ ተፈጸማነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ኣባኻ እተሸጠ እሞ ሹድሽተ ዓመት እተገዝአካ እብራዊ ሓውካ ካባኻ ሓራ ኣውጽኣዮ። ግናኸ ኣቦታትኩምሲ ኣይሰምዑንን በእዛኖምውን ጽን ኣይበሉን።

15. ንስኻትኩም ሎሚ ተመለስኩምነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ሓራ ምውጻእ ብምእዋጁ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ድማ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቶኹም

16. ግናኸ ከም ብሓድሽ ተመለስኩምንስመይ ድማ ኣርከስኩምዎ፡ ነቶም ሓራ ኣውጺእኩም ከም ድላዮም ይኺዱ ዝፈኖኹምዎም ነፍሲ ወከፍኩም ንተባዕትዮን ነንስተይትን ባሮቱ ኣምለሰ፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከኣ ገዛእኩምዎም

17. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኩምንን። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንሰይፍን ንፌራን ንጥሜትን ሓርነት እእውጀልኩም አሎኹ፡ ንዂሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኰኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

18. ኣነ ነቶም ኪዳነይ ዘፍረሱ፡ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸኣ ሐሊፎም፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓላት ኪዳን ዘይሐለዉ ሰባት፡

19. ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሐለፉ መሳፍንቲ ይሁዳን መሳፍንቲ የሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገርን

20. ነዚኣቶም ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳታቶም ከኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ።

21. ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ ሰባትን ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሐቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

22. እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ። ንሳቶም ኪዋግእዋ፡ ኪሕዝዋ፡ ብሓዊ ድማ ኬንድድዋ እዮም። ነተን ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረን ምድረ በዳ ኽገብረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር