1-2. ንጉስ ኢኮንያን እታ ንግስቲ ኣዲኡን እቶም ሰብ መዋእልን መሳፍንቲ ይሁዳን የሩሳሌምን እቶም ጸረብትን ሓጓዶን ካብ የሩሳሌም ምስ ወጹ፡ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝተረፉ ጭዋታትን ነቶም ካህናትን ነብያትን ንዂሉ እቲ ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝማረኾ ህዝብንነብዪ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ዝሰደደሎም ቃላት ደብዳበ እዚኣተን እየን።

3. እታ ደብዳበ ብኢድ እቶም ዜድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ናብ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳወዲ ሻፋንን ገማርያ ወዲ ህልቅያን እተላእከት ከምዚ እትብል እያ፡

4. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንዂላቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዘማረኽክዎም ምሩኻት ከምዚ ይብል አሎ፡

5. ቤት ስርሑ እሞ ንበሩላኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ

6. ኣንስቲ ኣእትዉኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ። ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ከኣ ኣተኣታትዉ፡ ንሳቶም ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ይውለዱ። ኣብቲ ዘሎኹምዎ ብዝሑ እምበር፡ ኣይትውሐዱ

7. ደሓን እታ ኣነ ናብኣ ዘማረኽኩኹም ከተማ ድለዩብደሓና ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ስሊኣ ንእግዚኣብሄር ለምኑ

8-9. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ ነብያትን ጠንቈልትን ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ፡ ኣነ ኸኣ ኣይለኣኽክዎምን እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትጠበሩ፡ በቲ እተሕልምዎ ሕልምኹምውን ኣይትተአመኑ፡ ይብል እግዚኣብሄር

10. እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ንባቢሎን ሰብዓ ዓመት ምስ መልአክዝክረኩም እየ እሞ፡ ናብ እዛ ስፍራ እዚኣ ከም እትምለሱ ገይረ ነቲ ጽቡቕ ቃለይ ክፍጽመልኩም እየ።

11. ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

12. ክትጽውዑኒመጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ።

13. ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።

14. ክርከበልኩምንምምራኽኩም ክመልሶ፡ ካብ ኲሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጒኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ። ናብቲ ኻብኡ ዘማረኽኩኹም ስፍራውን ክመልሰኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

15. እግዚኣብሄርሲ ኣብ ባቢሎን ነብያት ኣተንሲኡልና አሎ፡ ትብሉ አሎኹም።

16. እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝፋን ዳዊት እተቐመጠ ንጉስን ብዛዕባ እቶም ምሳኻትኩም ዘይተማረኹ ኣሕዋትኩም፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚነብር ዘሎ ዂሉ ህዝብን ከምዚ ይብል አሎ፡

17. እንሆ፡ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ክሰደሎም እየ፡ ከምቲ ኻብ ምኽፋኡ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

18. ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክሰጎም እየ፡ ኣብ ኲሎም መንግስታት ምድሪ ኸኣ ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኲሎም እቶም ኣነ ናባታቶም ዝሰጐጒክዎም ህዝብታት ድማ ንመራገምን ንመስደመምን ንመላገጽን ንመጻረፍን ኪዀኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።

19. እዚውን ነተን ኣንገንጊሄ እናለኣኽክዎምብግዙኣተይ ነብያት ገይረ ዝለኣኽወን ቃላተይ ምስማዕ ስለ ዝአበዩ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣይሰማዕኩምንን ከኣ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

20. እምበኣርሲ ኣቱም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻትቃል እግዚኣብሄር ስምዑ

21. ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ ኣሃብ ወዲ ቆላያን ብዛዕባ ጼድቅያስ ወዲ መኣስያን እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ክምጥዎም እየ፡ ንሱውን ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ኪቐትሎም እዩ።

22. ካባታቶም ከኣ ኣብቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዂላቶም ምሩኻት ይሁዳእግዚኣብሄር ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ዜድቅያስን ኣሃብን ይግበርካዚብል መራገሚ ኺወጽእ እዩ።

23. ኣብ እስራኤል ዕሽነት ስለ ዝገበሩ፡ ኣብ ኣንስቲ ብጾቶም ስለ ዝዘመዉ፡ ኣነ ዘይአዘዝክዎም ቃላት ሓሶት ብስመይ ስለ እተዛረቡ እዩ። ነዚ ኸኣ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየይብል እግዚኣብሄር

24. ንሸማዕያ ብዓል ኔሕላም ከምዚ ኢልካ ኽትነግሮ ኢኻ፡

25. እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ደብዳበ ብስምካ ጽሒፍካ፡ ንዂሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝብን ናብ ጸፋንያወዲ መኣኣስያ እቲ ኻህንን ናብ ኲላቶም ካህናትን ከምዚ ኢልካ ሰደድካ

26. እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለቓ ዄንካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ዘው ዝበሎ እሞ ዚንበ ሰብሲ፡ መቚሕ እግርን መንቈርን ክትመልሰሉ ኢሉ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኻህን ይሆያዳ ካህን ገይሩ ሸመካ።

27-28. እምበኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ነቲ ዚንበየልኩም ዘሎ ንኣና ኸኣ፡ ነዊሕ ጊዜ ተሪፉ አሎ፡ ኣባይቲ ስርሑ እሞ ንበሩሉኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑኢሉ ናብ ባቢሎን ዝለኣኸናኤርምያስ ብዓል ኣናቶት ዘይገናሕካዮ

29. ጸፋንያ እቲ ካህን ከኣ ነዛ ደብዳበ እዚኣኣ ኣብ እዝኒ ነብዪ ኤርምያስ ኣንበባ

30. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ኤርምያስ መጸ፡

31. ናብ ኲሎም እቶም ምሩኻት ልኢኽካ በሎምብዛዕባ ሸማዕያ ብዓል ኔሕላም እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ሸማዕያ ኣነ ዘይለኣኽክዎስ፡ ስለ እተነበየልኩም ኣብ ሓሶት ከኣ ስለ ዘወከልኩም

32. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዕልወት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሸማዕያ ብዓል ኔሕላምን ንዘርኡን ክቐጽዖም እየ። ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ዚነብር ሓደ እኳ ኣይኪህልዎን እዩ፡ እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይኪርእን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።