1-2. እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓልተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ።

3. ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩእንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኺሰርሕ ጸንሔ።

4. እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰርሕ መሬት ምስ ተጸየቐ፡ ከም ብሓድሽ እቲ ሰራሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ

5. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡

6. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ፧ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር

7. ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቊሰን ከፍርንስን ከጥፍእን እዛረብ አሎኹ።

8. እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ።

9. ሓደ ጊዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሀንጽን ክተክልን እዛረብ አሎኹ።

10. ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዐሰሉ

11. እምበኣርሲ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩንእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ እንሆ፡ ሕሰም ኤዳልወልኩም፡ ንጒድኣትኩም ከኣ ሓሳብ እሕልን አሎኹ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስመገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ

12. ንሳቶም ግና፡ ከንቱ እዩ፡ ንሕናስ ንሓሳብ ርእስና ኽንሰዕብነፍሲ ወከፍና ድማ ከምቲ ትሪ ሕሱም ልብና ኽንገብር ኢና፡ በሉ

13. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እስከ ኸምዚ ዘመሰለ ዝሰምዔ እንተሎስ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሕተቱ፡ እታ ድንግል እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ጉድ ገይራ አላ።

14. በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ፧ እቲ ኻብ ርሑቕ ዚመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ፧

15. ህዝበይንንከ ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዐጥን አሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ

16. በዚ ኸምዚ ንሃገሩ ዑናንሓዋሩ ድማ መላገጺ ይገብሩ። እቶም ብእኣ ዚሐልፉ ዘበሉ ዂሎም ይግረሙርእሶም ከኣ ይንቕንቑ

17. ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ኸም ንፋስ ምብራቕ ክብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጸበባኦም ዝባን እምበር፡ ገጽ ኣይከርእዮምን እየ።

18. ንሳቶም ድማ፡ ሕጊ ኻብ ካህንምኽሪ ኻብ ጥበበኛቃል ካብ ነብዪ ኣይስኣንን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ምኽሪ ንጣበበሉንዑ ብልሳንና ንውቅዓዮ፡ ንዂሉ ቓላቱ ድማ ግዱ ኣይንግበርበሉ

19. ጐይታየ፡ ኣባይ ጽን በል፡ እዞም ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ

20. ንነፍሰይ ጒድጓድ ኲዒቶምላ እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ሰናይዶ እከይ ይፍደ እዩ፧ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኲራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ። ኣብ ቅድሜኻ ዝቘምኩ ዘክር

21. ስለዚ ደቆም ንጥሜት መጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ናብ ኢድ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሀብ። ኣንስቶም ደቂ ዜብለን መበላሉ ይኹና፡ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱኣጒባዞም ከኣ ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይወቕዑ

22. ኪሕዙኒ ጒድጋድ ኲዒቶምለይነእጋረይ ከኣ መፈንጠራ ደቢቖምለይ እዮም እሞ፡ ብድንገት ጥፍራ ኣምጺእካሎምሲ ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይስማዕ

23. ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኪቐትሉኒ ኢሎም ዝሐለንዎ ምኽሪ ዂሉ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኣበሳኦም ይቕረ ኣይትበለሎም፡ ሓጢኣቶምውን ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ጻሕ ይበሉ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኻውን ከምዚ ግበሮም