1. ኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል

2. ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳቃል እግዚኣብሄር መጸ

3. ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብ ሓምሳይ ወርሒ መጾ።

4. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡

5. ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

6. ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩ

7. እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል

8. ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮምይብል እግዚኣብሄር

9. እግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ

10. ርኤሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቊስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቚመካ እየ፡ በለኒ።

11. ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ አሎኹ፡ በልኩ

12. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻበለኒ

13. ቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ጊዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ እርኢ አሎኹ፡ በልኩ

14. ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎም ኪፍኖ እዩ።

15. እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ኸባቢኣ ዘሎ ዂሉ ቕጽርን ኣብ ዂለን ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ኬንብሩ እዮም።

16. ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሐደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዐጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱንፍርደይ ክነግሮም እየ።

17. እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዐጠቕተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ

18. እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎም ኣቚመካ እየ።

19. ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር