1. ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹኣብ ካልኣይቲ ዓመቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዜኡ ፋስጋ የብዕሉ

3. ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲበቲ ምዱብ ግዜኡኪመሲ ኸሎ ኣብዕልዎከም ኲሉ ሕጋጋቱን ከም ኲሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።

4. ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ተዛረቦም

5. ንሳቶም ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲኪመሲ ኸሎ ኣብ በረኻ ሲና ፋሲጋ ኣብዐሉደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ፡ ከምኡ ገበሩ

6. ድማ ብምዉት ሰብ ዝረኸሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋስጋ ኼብዕሉ ዘይከአሉ ሰባት ነበሩ፡ ንሳቶም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ቀረቡ

7. እቶም ሰባት እቲኦም ድማ፡ ንሕና ብምዉት ሰብ ረኺስና ኢና እሞ፡ በታ ምድብቲ ጊዜ መባእ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ እስራኤል ከይነቕርብ እተኸልከልና ስለምንታይ እዩ፧ በልዎ

8. ሙሴ ኸኣእግዚኣብሄር ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኽሰምዕሲ፡ ደው ኢልኩም ጽንሑ፡ በሎም

9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

10. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምዝዀነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ብምዉት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እንተሎ፡ ንእግዚኣብሄር ፋስጋ የብዕል

11. ንሱ ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኺመሲ ኸሎ የብዕሉምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።

12. ካብኡ ገለ ኽሳዕ ጽባሕ ኣይሕደጉ፡ ዓጽሙ ኸኣ ኣይስበሩ። ከም ኲሉ ሕጊ ፋስጋ ይግበርዎ

13. ዝዀነ ሰብንጹህ ክነሱኣብ መገዲውን ዘይኰነፋስጋ ዘየብዐለ፡ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜኡ ስለ ዘየቕረባ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ትመንቈስእቲ ሰብ እቲ ሓጢኣቱ ይጸውር

14. ጓና ምሳኻትኩም ዚነብር እንተሎ፡ ፋስጋ ንእግዚኣብሄር ኬብዕል እንተ ደለየ፡ ከምቲ ናይ ፋስጋ ሕግን ስርዓትን ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።

15. በታ እቲ ማሕደር እተተኽለላ መዓልቲ ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር ደበና ኣጐልበቦካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት ድማ ከም ትርኢት ሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ።

16. ወርትግ ከምኡ ነበረደበና ኣጐልበቦ ብለይቲ ኸኣ ትርኢት ሓዊ

17. እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተላዕለድሕርቲ ደቂ እስራኤል ይጕዐዙእቲ ደበና ኣብ ዝቘመሉ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል አብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።

18. ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጕዐዙብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ብዝቘመሉ ጊዜ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይጸንሑ ነበሩ።

19. እቲ ደበና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ጸንሔደቂ እስራኤል እቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ እሞ ኣይተጓዕዙን

20. እቲ ደበና ቕሩብ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ነበረ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሰፊሮም ቀነዩብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓዕዙ

21. እቲ ደበና ኻብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት እንተ ነበረ ኸኣ፡ እቲ ደበና ንግሆ ምስ ተላዕለ፡ ይጕዐዙ ነበሩ። ሓንቲ መዓልትን ሓንቲ ለይትን እንተጸንሔ፡ እቲ ደበና ምስ ተላዕለሽዑ ተጓዕዙ

22. እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ ማሕደር ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒወይ ነዊሕ ጊዜ እንተ ደንጐየ፡ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይጸንሑ እምበር፡ ኣይጐዐዙን ነበሩ። ምስ ዚለዐል ግና፡ ይጕዐዙ፡ ነበሩ።

23. ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ይጕዐዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።