1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

2. ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጠጥቓ ሰንደቕ ዕላማኡን ኣብ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ምልክትን ይስፈሩ። ኣብ መንጽር ድንኳን ምርኻብ ብዙርያኡ ይስፈሩ

3. እቶም ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ዚሰፍሩ፡ ከም ሰራዊቶም ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ ይኹን። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።

4. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበሩ።

5. ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዩ።

6. ሰራዊቱን እቶም ቊጽራቱን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።

7. ነገድ ዛብሎን ከኣ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዩ።

8. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቱን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።

9. እቶም ቊጹራት ሰፈር ይሁዳ ዅሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሹድሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዐዙ።

10. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ሮቤልከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዩ፡

11. ሰራዊቱን እቶም ቚጹራቱን ኣርብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።

12. ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ስምኦን ይኹኑ፡ ሹም ደቂ ስምኦን ደቂ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ።

13. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበሩ።

14. ነገድ ጋድ ድማ፡ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ።

15. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።

16. እቶም ቊጽራት ሰፈር ሮቤል ኲሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ዀይኖም ይጐዐዙ

17. ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዐዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ይጐዐዙ

18. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ኤፍሬም ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዩ።

19. ሰራዊቱን እቶም ቊጽራቶምን ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።

20. ምስኡ ገጢሙ ኸኣ ነገድ ምናሴሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር እዩ፡

21. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቱን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።

22. ድማ ነገድ ብንያምሹም ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊዴዖኒ እዩ፡

23. ሰራዊቱን እቶም ቊጽራቶምን ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።

24. እቶም ቊጹራት ሰፈር ኤፍሬም ኲሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሾሞንተን ሽሕን ሓደ ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ዀይኖም ይጐዐዙ

25. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ዳን ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ፡

26. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ነበሩ።

27. ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ከኣ ጳግዔል ወዲ ዖክራን እዩ።

28. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ።

29. ነገድ ንፍታሌም ድማ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዩ።

30. ሰራዊቱን እቶም ቊጹራቶምን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ።

31. እቶም ቊጹራት ሰፈር ዳን ኲሎም ሚእትን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኰይኖም ይጐዐዙ

32. እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቘጽሩ እዚኣቶም እዮም። እቶም ኣብ ሰፈር በብሰራዊቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።

33. ሌዋውያን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ኣይተቘጽሩን

34. ደቂ እስራኤል ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ገበሩ፡ ከምኡ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፡ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ተጓዓዙ