1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

2. እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዜብላኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካንደቂ እስራኤል ንገሮም

3. እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሀብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ

4. ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ

5. ነታ ላም ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድ

6. እቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድናብ ማእከል እቲ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ

7. እቲ ኻህን ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብድሕርቲ ናብ ሰፈር ይእቶ። እቲ ኻህን ከኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን

8. እቲ ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን

9. ነቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ኸኣ ንጹህ ዝዀነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ድማ ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮእዚ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዜንጽህ ማይ ኪኸውን ይተሐሎ

10. እቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ዝአከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹንእዚ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

11. ንዝዀነ ዝሞተ ስጋ ሰብ ዝተንከየሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን

12. ንሱ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ይንጻህ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጽሄ ግና፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣይነጽህን እዩ።

13. ናይ ዝሞተ ሰብ ምዉት ስጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄንማሕደር እግዚኣብሄር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኢል ትመንቈስእቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ አሎ።

14. ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ምስ ዚመውትእቲ ሕጊ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝአተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን

15. ኲሉ ኽፉት፡ ኣብ ልዕሊእ እተኣስረ መኽደን ዜብሉ ኣቕሓ ርኹስ ይኹን።

16. ኣብ መሮር ብሴፍ ንተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ዓጽሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን

17. ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓመዅስቲ እቲ ዝሐረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይ ይኽዐዉሉ።

18. ሓደ ንጹህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየን ይንጸግ

19. እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬንጽሆ እዩ። ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብምሸት ድማ ኪነጽህ እዩ።

20. ዝረኸሰ ሰብ ግና፡ ዘይነጽሄ ኸኣ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል እታ ማሕበር ትመንቈስማይ ምንጻህ ስለ ዘይተነጽጎውን፡ ርኹስ እዩ።

21. እዚ ድማ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነሎም። እቲ ማይ ምንጻህ ዝነጸገ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ እቲ ማይ ምንጻህ ዝተንከየ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።

22. እቲ ርኹስ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ርኹስ እዩ፡ ዝተንከየቶ ነፍሲ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን።