1. እስራኤል ድማ ኣብ ሽጢም ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ

2. ንሳተን ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ጸውዓኦ። እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዔንኣማልኽተን ድማ ሰገደ

3. እስራኤል ከኣ ምስ በዓል-ጴዖር ሐበረኲራ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ

4. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ነዳዲ ዅራ እግዚኣብሄር ካብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንዅሎም ሓላቑ ህዝቢ ወሲድካ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ስቐሎምበሎ

5. ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤልነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓል-ጴዖር ዝሐበሩ ሰቡ ይቕተልበሎም

6. እንሆ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ኪበኽዩ ኸለዉ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽኤ

7. ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረአዮ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስኤኲናትውን ኣብ ኢዱ ወሰደ

8. ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብታ ዝደቀሱላ አተወ፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከኣ ረቃቒቶኣ ንኽልቲኦም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ዛረየ

9. እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኰኑ።

10. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

11. ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤንዅራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን

12. ስለዚ በል፡ እንሆ፡ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ አሎኹ።

13. ንኣምላኹ ቐኒኡንደቂ እስራኢል ከኣ ኣተዐሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን።

14. ስም እቲ እተቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ምስታ ሚድያናዊት ሰበይቲ እተቐትለ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ፡ ንሱ ኻብ ደቂ ስምኦንሹም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ነበረ።

15. ስም እታ እተቐትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ከኣ ኩዝቢ ጓል ጹር፡ ንሱ ኣብ ሚድያን ናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ሓለቓ ህዝቢ ነበረ።

16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዝ ኢሉ ተዛረቦ

17-18. በቲ ብናይ ጴዖር ነገር ዝጠበሩኹም ምጥባሮም፡ ድማ ብነገር ኩዝቢ ሓብቶምጓል ሹም ሚድያን፡ በታ ብዛዕባ ጴዖር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ እተቐትለትኣጨኒቖምኹም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንሚድያናውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን