1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንኣኻ ክልተ መለኸት ብሩር ግበርብምቕጥቃጥ ስርሓዮነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ከኣ ንምጕዓዝን ይኹንካ።

3. ብእኡ ምድ ዚነፍሑብዘሎ ኣኼባ ናባኻ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይተኣከብ

4. ብሓደ ጥራይ እንተ ነፍሑ ኸኣ፡ እቶም ሹማምቲ። ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ ናባኻ ይተኣከቡ

5. መለኸት ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉ

6. ካልኣይ ሳዕ ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ኸኣብሸነኽ ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉንምንቃሎም ኣንዊሖም ይንፍሑ

7. እቲ ኣኼባ ምስ ዚእከብ ከኣ ንፍሑ፡ ግናኸ ኣይተንውሕዎ

8. እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ መለኸት ይንፍሑ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም።

9. ምስቲ ዚጸቕጠኩም ጸላኢ ኽትዋግኡ ናብ ምድርኹም ምስ እትወጹ፡ ኣንዊሕኩም መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ትዝከሩካብ ጸላእትኹም ከኣ ትድሕኑ

10. ብመዓልቲ ሓጐስኩምን ብበዓላትኩምን ብመጀመርታ ኣዋርሕኩምን ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹምን መለኸት ንፍሑኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም ከኣ መዘከርታ ኪዀነልኩም እዩኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

11. ኰነ ድማ ኣብ ካልአይቲ ዓመትኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስክር ተላዕለ

12. ሽዑ ደቂ እስራኤል ድማ ከከም ጕዕዞኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉእቲ ደበና ኸኣ ኣብ በረኻ ጳራን ቈመ

13. ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ ድማ፡ እቶም ቀዳሞት ነቐሉ

14. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ይሁዳከከም ሰራዊቶምቅድም ተጓዕዘኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ።

15. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኢሳኮር ከኣ ናትናኤል ወዱ ጹዓር ነበረ።

16. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ሔሎን ነበረ።

17. ነቲ ማሕደር ከኣ ኣውረድዎደቂ ገርሾንን ደቂ መራርን ድማ ነቲ ማሕደር ጾይሮም ተጓዕዙ

18. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ሮቤል ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶምተጓዕዘኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር ነበረ።

19. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከኣ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ።

20. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል ነበረ።

21. ቃሃታውያን ድማ ኣቓሑ መቕደስ ጾይሮም ተጓዕዙክሳዕ ዚአትዉ ኸኣ እቲኣቶም ነቲ ማሕደር ኣቘምዎ።

22. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ድማ፡ ከከም ሰራዊቶምተጓዕዘኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ኸኣ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ።

23. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር ነበረ።

24. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ።

25. ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ዳን ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ደጀን ኲሉ ሰፈር ኰይኑ ተጓዕዘኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ።

26. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን ነበረ።

27. ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን ነበረ።

28. ጕዕዞ ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም እዚ ነበረተጓዕዙ ድማ

29. ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጐዐዝ አሎናእግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ፡ በሎ።

30. ንሱ ድማ፡ ኣይከይድን፡ ንሃገረይን ናብ ትውልደይን ደኣ እኸይድበሎ

31. ንሱ ኸኣ፡ በጃኻ ኣይትሕደገናኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ኣዒንቲ ኹነና

32. ይኸውን ድማ፡ ምሳና እንተ ኸድካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ዚገብረልና፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ኢና፡ በለ።

33. ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎምመገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐደሞም

34. ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ድማደበና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ

35. ኰነ ኸኣ፡ ታቦት ምስ ተላዕለሙሴ፡ ዎ እግዚኣብሄርተንስእጸላእትኻ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸልኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙይብል ነበረ።

36. ምስ ዚሰፍር ከኣዎ እግዚኣብሄር፡ ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኤል ተመለስይብል ነበረ