1-2. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዛ መዓት እዚኣ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንንንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ኪወጽእ ዚኽእል ዘበለ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቊጸሩኢሉ ተዛረቦም

3. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ኣብ ጐላጉል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎም

4. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ነቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹ ደቂ እስራኤልን ዝአዘዞም፡ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቚጸሮም

5. ሮቤል በዅሪ እስራኤል እዩ። ደቂ ሮቤል፡ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፡ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን

6. ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፡ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን

7. ዓሌታት ሮቤላውያን እዚኣቶም እዮም፡ ቊጹራቶም ድማ ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ።

8. ደቂ ፋሉ ኸኣ፡ ኤልያብ

9. ደቂ ኤልያብ ድማ፡ ነሙኤልን ዳታንን ኣቢራምን። እቲ ምስ ኣኼባ ቆራሕ ኰይኖም ንእግዚኣብሄር ኪትንስእዎ ኸለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተንስኡ፡ ኣብቲ ኣኼባ ስሙያት ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን እዚኣቶም እዮም።

10. ነዚኣቶም፡ በታ ነቶም ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓዊ ዝበልዓላ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ዝሞተላ፡ ንሳቶም ከኣ ንምልክት ዝዀኑላ ጊዜ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ምስ ቆራሕ ወሐጠቶም

11. ደቂ ቆራሕ ግና ኣይሞቱን

12. ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ ካብ ነሙኤል ዓሌት ነሙኤላውያን፡ ካብ ያሚን ዓሌት ያሚናውያን፡ ካብ ያኪን ዓሌት ያኪናውያን

13. ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን፡ ካብ ሳውል ዓሌት ሳውላውያን

14. ዓሌታት ስምኦናውያን እዚኣቶም እዮም፡ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን

15. ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ ካብ ጸፎን ዓሌት ጻፎናውያን፡ ካብ ሓጊ ዓሌት ሓጋውያን፡ ካብ ሹኒ ዓሌት ሹናውያን

16. ካብ ኦዝኒ ዓሌት ኦዝናውያን፡ ካብ ኤሪ ዓሌት ኤራውያን

17. ካብ ኣሮድ ዓሌት ኣሮዳውያን፡ ካብ ኣርኤሊ ዓሌት ኣርኤላውያን

18. ዓሌታት ደቂ ጋድ ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን

19. ደቂ ይሁዳኤርን ኦናንን። ኤርን ኦናንን ድማ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ

20. ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሸላ ዓሌት ሸላውያን፡ ካብ ፋሬስ ዓሌት ፋሬሳውያን፡ ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን

21. ደቂ ፋሬስ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሔጽሮን ዓሌት ሔጽሮናውያን፡ ካብ ሓሙል ዓሌት ሓሙላውያን

22. ዓሌታት ይሁዳ ኸምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሰብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን

23. ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ ካብ ቶላ ዓሌት ቶላውያን፡ ካብ ፉዋ ዓሌት ፉዋውያን

24. ካብ ያሹብ ዓሌት ያሹባውያን፡ ካብ ሺምሮን ዓሌት ሺምሮናውያን

25. ዓሌታት ይሳኮር ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን

26. ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ ካብ ሰረድ ዓሌት ሰረዳውያን፡ ካብ ኤሎን ዓሌት ኤሎናውያን፡ ካብ ያሕልኤል ዓሌት ያሕልኤላውያን

27. ዓሌታት ዛብሎናውያን ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን

28. ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶምምናሴን ኤፍሬምን

29. ደቂ ምናሴ፡ ካብ ማኪር ዓሌት ማኪራውያን። ማኪር ድማ ንጊልኣድ ወለደ፡ ካብ ጊልኣድ ዓሌት ጊልኣዳውያን

30. ደቂ ጊልኣድ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ኢዔዘር ዓሌት ኢዔዘራውያን፡ ካብ ሔለቅ ዓሌት ሔለቃውያን

31. ካብ ኣስሪኤል ከኣ ዓሌት ኣስሪኤላውያን፡ ካብ ሰኬም ድማ ዓሌት ሰኬማውያን

32. ካብ ሸሚዳ ኸኣ ዓሌት ሸሚዳውያን፡ ካብ ሔፈር ድማ ዓሌት ሔፈራውያን

33. ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ከኣ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎንስም እተን ኣዋልድ ጸሎፈሓድ ድማ፡ ማሕላኖዓሖግላሚልካቲርጻ እዩ።

34. ዓሌታት ምናሴ እዚኣቶም እዮም፡ ቊጹራቶም ከኣ ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።

35. ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹተላ ዓሌት ሹተላውያን፡ ካብ ቤከር ዓሌት ቤከራውያን፡ ካብ ታሓን ዓሌት ታሓናውያን

36. ደቂ ሹተላ ኸኣ፡ ካብ ዔራን ዓሌት ዔራናውያን

37. ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።

38. ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፡ ካብ ቤላዕ ዓሌት ቤላዓውያን፡ ካብ ኣሽቤል ዓሌት ኣሽቤላውያን፡ ካብ ኣሒራም ዓሊም ኣሒራማውያን

39. ካብ ሸፉፋም ዓሌት ሸፉፋማውያን፡ ካብ ሑፋም ዓሌት ሑፋማውያን

40. ደቂ ቤላዕኣርድን ነዓማንን ነበሩ። ካብ ኣርድ ዓሌት ኣርዳውያን፡ ካብ ነዓማን ዓሌት ነዓማናውያን

41. ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ቊጽራቶም ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ኰኑ።

42. ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹሓም ዓሌት ሹሓማውያንዓሌታት ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።

43. ኲሎም ዓሌታት ሹሓማውያን ከምቲ እተቘጽርዎ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።

44. ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ ካብ ዪምና ዓሌት ዪምናውያን፡ ካብ ዪሽዊ ዓሌት ዪሽዋውያን፡ ካብ ብሪዓ ዓሌት ብሪዓውያን

45. ካብ ደቂ ብሪዓ፡ ካብ ሔበር ዓሌት ሔብራውያን፡ ካብ ማልኪኤል ዓሌት ማልኪኤላውያን

46. ስም ጓል ኣሴር ሳራ ነበረ።

47. ዓሌታት ደቂ ኣሴር ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን

48. ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ ካብ ያሕጽኤል ዓሌት ያሕጽኤላውያን፡ ካብ ጉኒ ዓሌት ጉናውያን

49. ካብ የጸር ዓሌት የጸራውያን፡ ካብ ሺሌም ዓሌት ሺሌማውያን

50. ዓሌታት ንፍታሌም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ቊጹራቶም ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።

51. እቶም ካብ ደቂ እስራኤል እተቘጽሩ ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ።

52. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

53. እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቚጽሪ ስሞም ርስቲ ዀይና ትመቐል

54. ነቶም ብዙሓት ርስቲ ኣግፍሓሎም፡ ነቶም ሒደት ከኣ ርስቲ ኣንእሰሎምንነፍሲ ወከፍ ከም ቊጽሩ ርስቱ ይወሀብ

55. እታ ምድሪ ግና ብዕጭ ውድቕ ትመቐልከከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይረስተዩ

56. እቲ ርስቶም ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ሒደትን ከምታ ዕጫ ዝሀበቶ ይመቐል

57. እቶም በብዓሌቶም እተቘጽሩ ሌዋውያን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ገርሾን ዓሌት ገርሾናውያን፡ ካብ ቃሃት ዓሌት ቃሃታውያን፡ ካብ መራሪ ዓሌት መራራውያን

58. ዓሌታት ሌዊ እዚኣቶም እዮም፡ ዓሌት ሊብናውያን፡ ዓሌት ሔብሮናውያን፡ ዓሌት ማሕላውያን፡ ዓሌት ሙሻውያን፡ ዓሌት ቆራሓውያንቃሃት ከኣ ንኣምራም ወለደ

59. ስም ሰበይቲ ኣምራም ድማ ዮኬቤድ ነበረ። ንሳ ንሌዊ ኣብ ግብጺ እተወልደትሉ ጓል ሌዊ እያ። ንሳ ኸኣ ንኣምራም ኣሮንን ሙሴን ሚርያም ሓብቶምን ወለደትሉ

60. ንኣሮን ድማ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ተወልዱሉ

61. ናዳብን ኣቢሁን ከኣ ጋሻ ሓዊ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ኣቕረቡሞቱ

62. እቶም ቊጹራቶም ተባዕትዮ ዘበሉ ኸኣ፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ፡ ኰኑ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይተዋህቦምን እሞ፡ ስለዚ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘጽሩን

63. ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘጸርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም

64. ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ዝቘጸርዎም ቊጹራት ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእከል እዚኣቶም ኣይነበረን።

65. እግዚኣብሄር ብዛዕባኦም፡ ርግጽ ኣብ በረኻ ኺሞቱ እዮም፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካባታቶም፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔን እያሱ ወዲ ነዌንሓደ እኳ ኣይተረፈን