1. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎንስኻን ደቅኻን ቤት ኣቦኻ ድማ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት መቕደስ ጹሩ። ንስኻን ደቅኻ ኸኣ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት ክህነትኩም ጹሩ

2. ኣሕዋትካ ነገድ ሌዊ ነገድ ኣቦኻ ድማ፡ ምሳኻ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉኻ፡ ምሳኻ ኣቕርቦም፡ ንስኻ ግና፡ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር ኩኑ።

3. ንሳቶም ድማ ሓለዋኻን ሓለዋ ዅሉ ድንኳንን ይሐልዉ፡ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ናብ ኣቓሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ጥራይ ኣይቕረቡ

4. ኣብ ኲሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም ኣብ ሓለዋ ድንኳን ምርኻብ ይሐልዉ፡ ጓና ግና ኣይቕረብኩም

5. ድማ መሊሱ ዅራ ናብ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኸይመጽእሲ፡ ንስኻትኩም ሐለዋ መቕደስን ሓለዋ መሰውእን ሐልዉ

6. እንሆ፡ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሰድክዎም፡ ንኣኻትኩም እተዋህቡ ህያብ እዮም፡ ንሳቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንእግዚኣብሄር ተወፈዩ

7. ንስኻን ደቅኻ ኸኣ ምሳኻን ብናይ መሰውኢ ነገርን ውሽጢ መጋረጃ ዘበለን ክህነትኩም ሐልዉን ኣገልግሉንእቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ህያብ ሂበኩም እየ። ጓና እንተ ቐረበ ግናይሙት

8. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ሓለዋ እቲ ዚልዐል መስዋእተይእቲ ናይ ደቂ እስራኤል እተቐደሰ ዅሉ ነገር ክትሕሉ ሂበካ አሎኹ። ንኣኻ ብምቕባእ መሰል ዘለኣለም ገይረ ንደቅኻ ሂበዮ አሎኹ

9. ካብቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ቅዱስ ቅዱሳን እዚ ንኣኻ ይኹን፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኲሉ መባኦም፡ ኲሉ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ኲሉ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶምን ኲሉ ናይ በደል መስዋእቶምን ንሱ ንኣኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።

10. ኣብ ቅዱስ ቅዱሳን ኴንካ ብልዓዮ፡ ኲሉ ተባዕታይ ይብልዓዮ፡ ቅዱስ ይኹነልካ።

11. እዚ ንኣኻ እዩ፡ እቲ ኻብ መባኦም ዚልዐል መስዋእትን እቲ ደቂ እስራኤል ዜቕርብዎ ዚውዝወዝ መስዋእትን ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ አሎኹኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ይብልዓዮ

12. ካብ ዘይቲ ዝበለጸ ዅሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ዚህብዎ በዅራት ንኣኻ ሂበካ አሎኹ

13. ኣብ ምድሮም ዘሎ ዅሉ በዅሪ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ ንኣኻ ይኹን፡ ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ኻብኡ ይብላዕ

14. ኣብ እስራኤል እተሐርመ ዅሉ ንኣኻ ይኹን።

15. ካብ ኲሉ ስጋማሕጸን ዚኸፍት ዘበለሰብ ኰነ ሓደው እንስሳ፡ ናብ እግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ግና በጃ ሀበሉ፡ ንበዅሪ ርዅስ እንስሳ ኸኣ በጃ ሀበሉ።

16. ነቶም እትብጀዎም ድማ ካብ ወዲ ወርሒ ዝዀነ ከም ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ፡ ንሱ ኸኣ ዕስራ ጌራብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ተበጀዎም

17. በዅሪ ላምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና፡ ቅዱሳት እዮም እሞ፡ ኣይትበጀዎምደሞም ኣብ መሰውኢ ንጸጎስብሖም ከኣ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨናንመስዋእቲ ሓዊ ኣሕርሮ

18. ስጋኦም ከኣ ንኣኻ ይኹን፡ ከም ሓኸለ እቲ ዚውዝወዝ መስዋእትን ከም የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን።

19. ናይቲ ቅዱስ ነገር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ ዅሉ ዚልዐል መስዋእቲ ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ አሎኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኪዳን ጨው እዩ።

20. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሀሉኻ፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ግደ ኣይሀሉኻኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ።

21. ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብ ክንዲ እቲ ኣገልግሎቶምኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎት፡ እንሆ፡ ኲሉ ዕሽር እስራኤል ንርስቲ ሂበዮም አሎኹ።

22. ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ምእንቲ ሓጢኣት ከይጾሩን ከይሞቱንናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ

23. ሌዋውያን ግና ኣብቲ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ የገልግሉእቲ በደሎም ከኣ ንሳቶም ይጹርዎ፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይረስተዩ

24. እቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ንዚልዐል መስዋእቲ ዚህብዎ ዕሽር ሌዋውያን ርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሀልዎምበልክዎም

25. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

26. ንሌዋውያን ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ገይረ ዝሀብኩኹም ዕሽር ካብ ደቂ እስራኤል ምስ እትወስዱ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ኣቕርቡ

27. እዚ ዚልዐል መስዋእትኹም ድማ ከም ስርናይ ካብ ዓውዲከም ወሓዚ ኻብ መጽመቚ ይቚጸረልኩም

28. ከምኡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዕሽርኩም ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ፡ ካብኡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቲ ንኻህን ኣሮን ሀቡ

29. ካብቲ እተዋህበኩም ኲሉ፡ ካብቲ እተቐደሰ ኻብ ኲሉ እቲ ብሉጹ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋእቱ ኣቕርቡ

30. በሎም ድማእቲ ዝበለጸ ኻብኡ ምስ እተቕርቡ፡ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽመቚን ይቚጸረሎም።

31. ናይቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ማሕድሮኹም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ኣብ ዝዀነ ቦታ ብልዕዎ

32. ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ ኣልዐልኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይትጾሩንእቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኸኣ ኣይተርክሱን ኣይትሞቱን ከኣ